ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ 'ኣብይ ብደም ንጹሃን ዝሽቅጡ' ዝበልዎም ሓይልታት ካብ ተግባራቶም ክቑጠሩ ኣተሓሳሲቦም


ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ንፖለቲካዊ ትርፊ ክብሉ ጫፍ ዝረገፀ ኣተሓሳስባ ሒዞም ብደም ንፁሃን ዝሽቅጡ ንዝበልዎም ሓይልታት ካብ ተግባራቶም ክቑጠቡ ኣተሓሳሲቦም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ነዚ ዝበሉ ኣብ ስታድየም ሃዋሳ ብኣሻሓት ዝቑፀሩ ዕዱማት ኣብ ዝተረኽቡሉ መበል 17 መዓልቲ ብሄርብሄረሰባት ዘስምዕዎ መደረ እዩ።

ንሶም ኣብ መደረኦም እዛ ናይ ሎሚ ኢትዮጵያ ብርቱዕ ሓይሊ ፀጥታ እትውንን ምዃና እንተገለፁ’ውን ብዛዕባ እቲ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ወለጋ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ብቐጥታ ዝበልዎ የለን። ሓደጋ የውርዱ ኣለዉ ብዛዕባ ዝበሃሉ ጉጅለታትን ዝውሰድ ስጉምቲታትን እውን ብቐጥታ ዝተዛረብዎ የለን።

ይኹን’ምበር ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ዝወርድ ዘሎ መጥቃዕትን ምምዝባላትን ፌደራል መንግስቲ ጠጠው ከብሎን ዜጋታት ድሕንነቶም ተሓልዩ ብሰላም ዝነብሩሉ ሃዋህው ከናዲ ዝተፈላለዩ ፓርትታትን ሲቪክ ማሕበራትን ይጽውዑ ኣለው።

ካብ ሓምለ 2014 ስጋብ ሕዳር 2015 ኣብዘሎ እዋን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኦሮምያ ዝተፈጸሙ ጎንፅታት: ዝወረዱ መጥቃዕትታትን ዝተፈፀሙ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዝሓዘ ሪፖርት ዘውፀአ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ነቶም ዝተፈጸሙ መጥቃዕትታት መንግስቲ ቅልጡፍ ፍታሕ ከናዲ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብቲ በዓል መደረ ዘስምዑ ሰበስልጣናት ነቲ ኣብ ክልል ኦሮምያ ምዕራብ ወለጋ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ብግልፂ ኣልዒሎም ክኹንኑ ኣይተሰምዑን።

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ዝነበረ ኩናት ኣመልኪቶም ብሰላምን ንምዝዛም መንግስቲ ኩሉ ዓቕሙ ፀንቂቑ ከምዝጥቐም ዝገለፁ ኮይኖም “እቶም ዘጥፍኡ ኾኑ ዝተለሙዎ ኩሎም ሓሊፎም እዮም ንሕና ምድፍፋእን ምትሕልላኽን ገዲፍና ንፅባሕ ዝሐሸ ነገር ንምስጋር ክንሰርሕ ኣለና” ክብሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም። ፀላእቲ ንውድቀት ኢትዮጵያ ይሰርሑ ኢትዮጵያ ግን ትፍተን እምበር ኣይትሰዓርን’ውን ኢሎም።

ኣብቲ በዓል ዝተረኽቡ ድምፂ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ተሳተፍቲ ብወገኖም ብወገኖም ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ሰባት ዝወርድ ዘሎ መጥቃዕቲ ህዝብን መንግስትን ተሓባቢሮም ጠጠው ከብልዎ ፀዊዖም።

XS
SM
MD
LG