ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኣብይ ምስ መራሒ ሱዳን ኣል ቡርሓን ምርኻቦምን ፍልልያቶም ብልዝብ ክፈትሑ ምርድዳኦምን ኣፍሊጡ


ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ናይሮቢ ምስ መራሒ ሱዳን ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሓኒ ከምዝተራኸበን ፍልልያቶም ብልዝብ ንምፍታሕ ቃል ከምዝኣተውን ኣፍሊጡ። እቲ ዝርርብ ዝስማዕ ዘሎ፡ ካርቱም፡ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ንወተሃደራተይ ማሪኾም ረሺኖምም ዝብል ክሲ ድሕሪ ምቕራባ`ዩ። ኣዲስ ኣበባ ነቲ ክሲ ነጺጋቶ`ያ።

ዶ/ር ኣቢይ ኣብቲ ምስ መራሒ ሱዳን ብሓደ ተሳኢሎም ዘርኢ ናይ ትዊተር መልእኽቱ “ሃገራትና ብሰላም ናይ ምፍታሕ ብዙሕ ናይ ምትሕብባር ረቛሒታት ኣለወን” ኢሉ። ኣስዒቡ ቀ/ሚ ኣብይ“ሓባራዊ ዝምድናና ኪንዮ ፍልልያትና`ዩ፡ ነቲ ዘሎ ጸገም ድማ ብሰላም ብልዝብ ክንፈትሖ ተሰማሚዕና ኣለና“ ኢሉ። እቶም መራሕቲ ሱዳንን ኢትዮጵያን ንዋዕላ ኢጋድ ናብ ኬንያ ምስከዱ`ዮም ተራኺቦም።

ካብ ሱዳን ብላዕላዋይ ቤት ምኽሪ ዝወጸ መግለጺ ድማ “ ቡርሓንን ኣቢይን ናይ ዕጹው ማዕጾ ኣኼባ ጌሮም” ዝብል መልእኽቲ ጥራይ ኣሕሊፉ`ሎ።

XS
SM
MD
LG