ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኣብይ ምምላስ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ዝብል ጉዳይ ኣብ ናይ እስራኤል ዑደቶም ከምዘይተላዕለ ምንጭታት ቤት ጽሕፈቶም ሓቢሮም


ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ እስራኤል ንዝርከቡ ኤርትራዊያን ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ቤንጃሚን ነታንያሁ ዝገበርክዎ ምምይጥ የለን ክብሉ ምንጭታት ካብ ቤት ጽሕፈቶም ሓቢሮም።

ንቀዳማይ ሚንስትር እስራኤል ዝጠቐሰ ዘ ታይምስ ኦፍ እስራኤል ዝተባህለ ጋዜጣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዘውጽኦ ሕታሙ መራሕቲ ክልቲኦም ሃገራት ኣብ መጀመርታ ወርሒ መስከረም ኣብ እስራኤል ኣብ ዝተራኸብሉ እዋን ብዛዕባ ከይዲ ምምላስ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኢትዮጵያ ንምሕጋዝ ምስምማዓ ሓቢሩ ኔሩ።

ይኹን ደአ እምበር ምንጭታት ካብ ቤት ጽሕፈት ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ እቲ ኤርትራዊያን ስደተኛታት ምምላስ ዝብል ጉዳይ ኣብቲ ርክብ ከምዘይተላዕለ ሓቢሮም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG