ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኣብይ ሓድሽ ዝተመረጸ ካቢነኡ ናብ ፓርላማ ብምቕራብ አጽዲቑ


ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ሎሚ ረቡዕ ሓዲሽ ካቢንኡ ናብ ፓርላማ `ታ ሃገር ብምቕራብ ኣጽዲቑ።

እቲ ሓዲሽ ካቢነ ሚንስተራት፡ መራሕቲ ተቓወምቲ`ውን ዝርከብዎ ምዃኑ ፍልይ ዘብሎ`ዩ ተባሂሉ`ሎ።

ሎሚ ዝተኻየደ ኣኼባ ሓዲሽ ባይቶ ኢትዮጵያ፡ ንዝቕጽል ሓሙሽተ ዓመታት ነታ ሃገር ዘገልግሉ 22 ሚንስተራት ኣጽዲቑ`ሎ። ብቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ተረቑሖም- ብፓርላማ ዝጸደቐሎም ሚንስተራት መራሕቲ ተቓወምቲ`ውን ይርከብዎም። ካብ መንጎኦም መርሒ ኢዘማ ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ ሚንስተር ትምህርቲ፡ ምኽትል ኣቦ-መንበር ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኣቶ ቀጀላ መርዳሳ- ሚንስተር ባህልን ስፖርትን፡ ኣቦ መንበር ምንቅስቓስ ብሄረ- ኣምሓራ ኣቶ በለጠ ሞላ ይርከብዎም። ሓዲሽ መዝነት ካብ ዝተረከቡ ድማ፡ ምኽትል ሰላም ዝነበረት ሙፈርያት ከሚል፡ሚንስተር ዕዮ፡ ግዜያዊ ኣማሓዳሪ ክልል ትግራይ ዝነበረ ዶ/ር ኣብርሃም በላይ ድማ ሚንስተር ምክልኻል ኮይኖም ተሽይሞም ኣለዉ። ነቶም ሚንስተራት ኣብ ምምራጽ ከም መሰረታዊ መምዘኒ ዝተወስደ ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ንፓርላማ ኣብሪሁ ኔሩ፡-"ከም መሰረታዊ መምዘኒ ዝርኣናዮ፡ ቀዳማይ ፍልልይ ፖለቲካ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሓቢርካ ካቢነ ኮይንካ፡ ብሓባር ኣብ ቤት ምኽሪ ተቐሚጥካ ሓሳብ ንምልውዋጥ ዝኽልክል ክኸውን የብሉን፡ ዝተፈላለየ ሓሳባት ዘለና`ኳ እንተኾና፡ ተቐራሪብና ምስራሕ ክንለማመድ ኣለና- ንቐጻሊ ሓደ ፓርቲ መንግስቲ ምምስራት ዘኽእሎ ድምጺ እንተረኸበ`ውን እዚ ናይ ሎሚ ተመክሮ - ልምዲ ኣንጺፉ ክጸንሕ ይኽእል`ዩ ካብ ዝብል`ዩ" ኢሉ። ካልእ ክሳብ ሽዱሽተ ዝበጽሑ መምዘንታት ከምዝተጠቐመ`ውን ንፓርላማ ሓቢሩ`ዩ።

እቲ ፓርላማ ብኽልተ ተቓውሞን፡ ብ12 ድምጺ ተኣቅቦን`ዩ ነቶም ሕጹያት ኣጽዲቕሎም። ካብቶም ኣባላት ፓርላማ ናይ ተቓውሞ ርእይቶታት ዘስምዑ`ው ኔሮም፡ ሓንቲ ካብኦም ኣብ ልዕሊ ሚንስተር ትምህርቲ ዝተረቑሐ ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ`ዩ፡ ሚንስተር ትምህርቲ ክኸውን ብቕዓት የብሉን ትብል እዛ ኣባል ፓርላማ፡"ኣብ ትምህርቲ፡ ካብኡ ንላዕሊ ብቕዓት ዘለዎም ሰባት ዝተሳእኑ ኣይመስለንን። ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ በቲ ዝሓዞ ማሕበራዊ ፍትሒ ክቕጽል ይኽእል`ዩ- ሚንስተር ትምህርቲ ክኸውን ግን ተቓውሞይ ይተሓዘለይ" ትብል።

ቀዳማይ ሚንስተር ዝሃቦ ምላሽ፡ ከምኡ እንተዝኸውን መን`ዩ ቀዳማይ ሚንስትርነት ተማሂሩ ዝመጸ፡ ቀዳማይ ሚንስተር ንምዃን ሓደ ፍልጠት ይህልዎ`ምበር ብኹሉ ዓይነት ቀዳማይ ሚንስተር ክኾኑ ዘኽእል ብቕዓት የብሎምን- ብናትኩም ጽቡቕን ሰናይ ፍቓድን ቀዳማይ ሚንስተር እንተኾኑ`ኳ ዝብል ምላሽ ሂቡ::

ቀዳማይ ሚንስተር ኣብቲ እዋን ነቶም ሹመኛ ሚንስትራት ሓደራ ዝብለኩም ቀንዲ ስርቅን ልመናን ምጥፋእ'ዩ ኢሉ።

ስርቅን ልመናን ክሳብ ዘሎ እዛ ሃገር ርእሳ ክተቕንዕ ኣይትኽእልን'ያ ኢሉ:: ኣስዒቡ ኣብ ካቢነ ንብሄር ምውካል ስለዘይክኣል ብዝብል ናይ ኢትዮጵያ ሚንስትራት'ምበር ናይ ብሄራት ሚንስትራት ኣይኮንኩምን ኢልዎም- ።

ሓዲሽ ዝተመስረተ ካቢኔ ሚንስተራት ኢትዮጵያ ውጻኢ ዝንክን ስራሕ ዘቀላጥፍን ምዃኑ ኣብቲ እዋን ብሚንስትሪ ፕላንን ልምዓትን ተገሊጹ ኔሩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::

ቀ/ሚ ኣብይ ሓድሽ ዝተመረጸ ካቢነኡ ናብ ፓርላማ ብምቕራብ አጽዲቑ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:09 0:00


XS
SM
MD
LG