ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኣብይ ሃገሮም ኣብ ኲናት ትግራይ ተጸሚዳ ኣብ ዘላትሉ ኣብ ዓረብ ኢማራት ምብጻሕ የካይዱ


ምብጻሕ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዓረብ ኢማራጽ
ምብጻሕ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዓረብ ኢማራጽ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ሃገሮም ኣብ ኲናት ትግራይ ተጸሚዳትሉ ኣብ ዘላ እዋን ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ብቐዳም ናይ ስራሕ ምብጻሕ አካይዶም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝበፅሕሉ እዋን ናይ ዱባይ፡ ጸላዊን ወራሲ ልዑል ዝኾኑ ሸኽ መሓመድ ቤን ዛይድ ኣል ናህያን ተቀቢሎሞ ንኽብሮም ዝተገብረ ስነ-ስርዓት ኣቀባብላ’ውን ተረኺቦምን ኣኬባ ምክያዶምን መንግስታዊ ትካል ዜና ኤምራት WAM ብምጥቃስ ኣሶሴይትድ ፕረስ ሓቢሩ።

ኹናት ትግራይ ኣብ ሕዳር 2020’ዩ ጀሚሩ። ኣብዚ ቀረባ ሰሙናት እቲ ኹናት ተቀይሩ: ናብ ኣዲስ ኣበባ ንምድፋእ ፈቲኖም ዝነበሩ ሓይልታት ትግራይ ንድሕሪት ኣንሳሒቦም ሰራዊት ኢትዮጵያ ድማ ከምዘይስዕቦም ገሊጹ'ሎ።

እዚ ኸኣ ንምብፃሕ ሰብኣዊ ረድኤት ዒላማ ዝገበረ ብኣመሪካን ሕብረት ኣፍሪቃን ፃዕርታት ሽምግልና ንኽግበር መንገዲ ኸፊቱ’ዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ’ቲ ኹናት ዝገልፁ ፀብፃባት ቀይዱን ብኣዋጅ ህፁፅ እዋን’ዉን ንገለ ጋዜጠኛታት ኣሲሩ’ዩ።

ክኢላታት ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ቻይና:ቱርኪን ዓረብ ኤምራ ትንን ብዝገዝኦም ድሮናት ሓይሉ’ዩ ይብሉ።

XS
SM
MD
LG