ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ቀ/ሚ ኣቢይ ኲናት ትግራይ ከዕርፎ ፍሉይ ሓላፍነት ኣለዎ” ኮሚተ ሽልማት ኖበል ሰላም


ቀ/ሚ ኣብይ ሽልማት ኖበል ሰላም 2019 ኣብ ዝተቐበልሉ
ቀ/ሚ ኣብይ ሽልማት ኖበል ሰላም 2019 ኣብ ዝተቐበልሉ

ኣብ ኖርወይ ዝመደበሩ ኮሚተ ሽልማት ኖበል ሰላም፡ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ናይ 2019 ተዓዋቲ እቲ ሽልማት ዝዀኑ ኣቢይ ኣሕመድ ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኲናት ከዕርፉዎ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ኣመልኪቶም ክብል ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ጸብጺቡ፡፡

ኣደ-መንበር እቲ ኮሚተ በሪት ረይስ-ኣንደርሰን “ከም ተዓዋቲ ሽልማት ኖበል ሰላም መጠን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ነቲ ኲናት ከዕርፉን ንሰላም ኣበርክቶ ክግበሩን ፍሉይ ሓላፍነት ይስከሙ፡” ኢለን ።

እተን ኣደ-መንበር ወሲኸን፡ ሰብኣዊ ኵነታት ኣብ ኣዝዩ ኣሻቓሊ ደረጃ ምብጽሑን ተበጻሕነት ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብቲ ክልል ድማ ዘይእኹልን ምዃን ከም ዘተሓሳሰበን ጠቒሰን።

እቲ ኮሚተ ንቐዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ንሽልማት ዘብቅዖም ኣብ 2019 ዘርኣዩዎ ተበግሶ ንሰላም ምስ ኤርትራ፥ ከምኡ’ውን በቲ ዝወሰዱዎ ሰፊሕ ናይ ሰላም ተበግሶን ለውጢን ምዃን እቲ ኮሚተ ይሕብር።

XS
SM
MD
LG