ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዑደት የካይዱ


ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ጽባሕ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዑደት ንምፍጻም ንዝኣትዉ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንምቕባል ከተማ ጎንደር ኣትዮም።

ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣብ ኸተማ ጎንደር ታሪኻዊ ቦታታትን ስርሓት ልምዓትን ከምዝዕዘቡ መራኸቢ ብዙሃን ውሽጢ ሃገር ጸብጺበን ኣለዋ።

እቶም ፕረዚደንት ካብ ከተማ ጎንደር ናብ ኸተማ ባህርዳር ብምቕጻል ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ፋርማጆ ኣብ ዝርከብሉ ናይ ሰለስተ ሃገራት መራሕቲ ኣኼባ ክሳተፉ`ዮም።

እቲ ስሉሳዊ ርክብ፡ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ኣኼባ ምዃኑ ተገሊጹ`ሎ።

ብኣፈ-ጉባኤ ክልል ኣምሓራ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ኣስመራ ምስ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምርኻቡ ይዝከር።

XS
SM
MD
LG