ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርግሓ ኮሮና ቫይረስ ንምክልኻል ብርክት ዝበሉ ስጉምትታት ኣዊጁ


ኣብ ኢትዮጵያ ዝርግሓ ኮሮና ቫይረስ ንምክልኻል ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ብርክት ዝበሉ ስጉምትታት ኣዊጁ።

ብዝሒ ሰብ ዝእከበሉ ኣኼባታት ክቋረጽ ሰባት ክፋናተት፥ኣኼባታት ፖለቲካዊ ውድባት ኮነ መንግስታዊ ትካላት ነቲ ቫይረስ ንምክልኻል ተመሳሳሊ ስጉምትታት ክወስዱ ከምኡ መጓዓዝያታት ሰባት ተቐራሪቦም ኮፍ ከይብሉ ዝብሉ ይርከብዎም።

ሰራዊት ምክልኻልን ፖሊስን`ውን ብደረጃ ሃገር ነቲ ዝርግሐ ንምክልኻል ውሽጣዊ ቅድመ ምድላዋት ክገብሩ፥ ከምኡ ኣብ ዶባት ዝግበር ምንቅስቓሳት ብምልኡ ደው ክብል ኣዚዙ`ሎ። እዚ ስጉምቲ ግን ናብ ሃገር ንዝኣትዉ ሸቐጣትን ኣገደስቲ ኣገልግሎትን ኣይምልከትን።

ብኻልእ ወገን ፥ምእመናን ኣብ ምክልኻል ኮሮናቫይረስ ካብ ናይ እምነት ቦታታት ኮነ ሰብ ዝበዝሓሎም ከባብታት ክቑጠቡ ናይ ኢትዮጵያ መራሕቲ ትካላት ዝተፈላለያ እምነታት የፍልጡ`ለዉ።

XS
SM
MD
LG