ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ኣብ`ዚ ወርሒ መጋቢት ሓደ ዓመት ክመልኦ`ዩ


ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ከምዛ ወርሒ`ዚኣ ዝሓለፈ መጋቢት 24, 2010 ዓ.ም.ኢ መራሒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮይኑ ቃለ-ማሕላ ፈጺሙ። ድሕሪ ለውጢ ኣብ ተግባር ከውዕሎም ቃል-ዝኣተወሎም ነገራት መብዛሕቲኦም ኣብ ግብሪ ይውዕሉ`ለዉ ይብል ኣብ ዩኒቨርሲትይ ኣዲስ ኣበባ መምህር ኮሚኒኬሽ ዶር ጌታቸው ድንቁ።

ኢትዮጵያን ኢትዮጵያውነትን ዘማእከለ ግኑን መደረ ቀ/ሚ ኣቢይ፡ ሎሚ`ውን ኣይተቐየረን ይብል እቲ ምሁር። ዶ/ር ኣቢይ ኣብ`ቲ ቀዳማይ ጽንብሉ ከምዚ ኢሉ ኔሩ፡-“ ናይ ዝኾነ ኢትዮጵያዊ ስጋን ደምን ኣብ ዝኾነ ክፋል ኢትዮጵያ ሓመድ ኮይኑ ኢኹም ትረኽብዎ። ኢትዮጵያውያን፡ ብህይወት ከለና ኢትዮጵያዊ፡ ምስ ሞትና ድማ ኢትዮጵያ ኢና ንኸውን”

ካልእ ፖለቲከኛ ምሁር ኣቶ ኣበባው ኣያሌው ብወገኑ፡ ሎሚ ዘላ ኢትዮጵያ እታ ማእሰርትን መግሃስትን ዝነበራ ኢትዮጵያ ኣይኮነትን፡ ኢትዮጵያ ኣብ`ዚ ሓደ ዓመት ናይ ኣቢይ እዋን ጽቡቕ ስጉምቲ ኣርእያ`ላ ይብል። “ጋጤጠኛ ኣይእሰርን፡ ሓሳብካ ገሊጽካ ተባሂሉ ኣይዕፈንን፡ ሰልፊ ወጺኻ ተባሂሉ ኣይህደንን።”

ምሉእ ጸብጻብ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG