ዋሽንግተን —
ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ተቓወምቲ ፓርትታት`ታ ሃገር ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ዘትዩ።
ተቓወምትን ቀ/ሚ ኣብይን ኣብ ጉዳያት ግዝኣተ- ሕጊ፥ ጉዳይ ህዳሴ ግድብ፡ ከምኡ`ውን ኣብ ጉዳይ ምርጫን ምህናጽ ሃገራዊ ዕርቅን ዝዘተዩ ክኾኑ ኸለዉ ኣብ መብዛሕትኡ ጉዳያት ተመሳሳሊ ኣናብባ ከም ዝነበሮም ተሓቢሩ`ሎ።
እንተኾነ ፕሮፈሰር መረራ ጉዲና መራሒ ፈደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ምስዚ ዳሕራዋይ ህውከት ብዝተሓሓዝ ዝተኣስሩ መራሕቲ ተቓወምቲ ተፈቲሖም ኣካል ሃገራዊ ምርድዳእ ክኾኑ ኣለዎም ዝብል ክርክር ኣቕሪቦም ኔሮም- ።