ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ፥ `መኣዲ ሃገር` ዝተባህለ ሰፊሕ ፕሮጀክት ድለባ ገንዘብ ጀሚሩ


ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ፥ `መኣዲ ሃገር` ዝተባህለ ሰፊሕ ፕሮጀክት ድለባ ገንዘብ ከፊቱ።

እቲ ኣብ ሰለስተ ከባብታት`ታ ሃገር ዘተኮረ ፕሮጀክት፥ ነታ ሃገር ናብ ሓዲሽ ብልጽግና ንምልዋጥ ዝዓለመ ምዃኑ መንግስታዊ መሓውራት ዜና ጸብጺበን ኣለዋ።

እቶም ተመሪጾም ዘለዉ ሰለስተ ከባብታት፥ `ጎርጎራ` ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ `ወንጪ` ኣብ ክልል ኦሮሚያ፥ ከምኡ ድማ `ቆይሻ` ኣብ ክልል ደቡብ`ዮም።

ፕሮጀክት `መኣዲ ሃገር` ምስ ኢትዮጵያውያንን ምስ መሻርኽትን ኣብ ውሽጢ ዝቕጽላ ክልተ ኣዋርሕ 3 ቢልየን ብር ከተኣኻኽብ መደብ ከም ዘለዎ ፋና ጠቒሱ`ሎ።

XS
SM
MD
LG