ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኣቢይ ምስ መራሕቲ ልዝብ ትግራይ ተራኺቦም፣ ተዘራሪቦም


ብመሰረት መንግስታዊ ምንጪን ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳን፡ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ሎሚ ምስ ንክልል ትግራይ ወኪሎም ኣብ ዘተ-ሰላም ዝተሳተፉ መራሕቲ'ቲ ክልል ተራኺቦም ኣለዉ። እዚ ከም መቐጸልታ ናይቲ ስምምዕ ሰላም ምዃኑ ዝገለጸ እቲ ዜና፡ እቶም ቀዳማይ ሚንስተር ንፈለማ እዋኖም ምስ ብኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤን ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደን ዝሓቘፈ ጕጅለ ንፈለማ እዋኖም’ዮም ዝራኸቡ ዘለዉ: ንፈደራላዊ መንግስቲ ወኪሎም ኣብ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ዝተሳተፉ ወገናት’ውን ኣብቲ ርክብ ተረኺቦም ነይሮም።

ኣማኻሪ ጸጥታ ቀዳማይ ሚንስተር ዝዀኑ ኣምባሳድር ሬድዋን ሑሴን ኣብ ናይ ትዊተር ገጾም ኣብ ዝጸሓፉዎ’ውን እቶም ቀዳማይ ሚንስተር ካብን ናብን ክልል ትግራይ ዘሎ ናይ ኣየር በረራታት ክውስኽ፡ ኣገልግሎት ባንክን ካልእ ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ክጅምር መምርሒ ምሃቦም ኣስፊሮም ኣለው። እቲ ርክብ ኣብ ሓላላ ኬላ ኣብ ዝተባህለ ክልል ደቡብ’ዩ ተኻዪዱ።

XS
SM
MD
LG