ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሽዱሽተ ሃገራት ሕ/ኣውሮጳ ነቶም ን13 መዓልታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጸንሑ ስደተኛታት ከምዝቕበላ ተገሊጹ


ቀዳማይ ሚንስትር ኢጣልያ ጁሰፐ

ቀዳማይ ሚንስትር ኢጣልያ ጁሰፐ ኮንተ ሽዱሽተ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ነቶም ኢጣልያ ከይኣትው ዝከልከለቶም 150 ስደተኛታት ክቕበሉ ምስምማዖም ኣፍሊጦም። እቶም ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ድሕሪ ኦፕን አርምስ ዝተባህለት መርከብ ትካል ግብረ ሰናይ ድሕሪ ምድሓኖም ዝቕበሎም ሃገር ብዘይምርካቡ ንዝሓለፉ 13 መዓልታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ምቕናዮም ይፍለጥ።

ሚንስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ ማትዮ ሳልቪኒ እታ መርከብ ነቶም ስደተኛታት ኣብ ወደባት ኢጣልያ ከይተራግፎም ትእዛዝ ምትሕልላፎም ይዝከር።

ቀ/ሚ ኮንተ ንሚንስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ሳልቪኒ ኣብ ዝጸሓፍዎ ቕሉዕ ደብዳብ እቶም ስደተኛታት ናብ ሃገራት ፈረንሳ፡ጀርመን፡ሮማንያ፡ፖርቱጋል፡ስፔንን ለክሰንበርግን ከምዝመቓርሑ ሓቢሮም ኣለው።

XS
SM
MD
LG