ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ተሸላሚ ስልማት ኖቤል ሰላም 2019 ኮይኖም


ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ምስ ኤርትራ ሰላም ኣብ ምፍጣር ብዘካየድዎ ጻዕርታት ተሸላሚ ስልማት ኖበል ሰላም 2019 ኮይኖም።

ኣደ መንበር ኮሚተ ኖበል ስልማት ሰላም በሪት ሪስ ኣንደርሰን: ቀ/ሚ ኣብይ ነዚ ስልማት ዝበቕዑ ናብ መዝነት ድሕሪ ምምጽኦም ድሕሪ ቁሩብ ኣዋርሕ ነቲ ንነዊሕ ዓመታት ምስ ኤርትራ ዝጸንሓ ግጭት ንምፍታሕ ጻዕርታት ብምክያዶም እዩ ኢለን።

ኖርወጃዊ ኮሚተ ኖቤል ሽልማት ሰላም ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ቀዳሞት 100 መዓልታት መዝነቶም "ኣብታ ሃገር ዝነበረ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ኣብ ምልዓል፥ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ናይ ፖለቲካ እሱራት ኣብ ምፍታሕ: ኣብ መሓውራት ዜና ዝነበረ መመያ ኣብ ምምሕያሽ: ተቓወምቲ ውድባት ናብ ሃገር ክኣትው ኣብ ምፍቓድ፥ ብብልሽውና ዝተኸሱ ሰበ ስልጣን ኣብ ምእላይ: ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መዝነት ኣብ ምዕዛዝ" ሰሪሖም'ዮም ይብል።

እቲ ኮሚተ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝጀመረ ዲሞክራሲ ኣብ ምሕያል ብዙሕ ስራሕ ከምዝተርፍ ብምግላጽ ምስ ኤርትራ ዝተጀመረ ሰላም ድማ ኣብ ክልቲኣን ሃገራት ብዙሕ ኣወንታዊ ውጽኢት ከምዝህልዎ ሓቢሩ'ሎ።

ሽልማት ኖቤል ሰላም ቀ/ሚ ኣብይ ኣብ ካልኦት ሃገራት ምብራቕን ሰሜን ምብራቕ ኣፍሪቃንንዘካየዶ ናይ ሰላምን ዕርቂን ተሳትፎ'ውን ኣፍልጦ ሂቡ'ሎ።

እቲ 900ሽሕ ዶላር ሽልማት ኖቤል ታሕሳስ 10 ኣብ ከተማ ኦስሎ ኖርወይ ክወሃብ'ዩ።

ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረስ ንናይቲ ኮምቴ ምርጫ ንኢዶምዎ።

ንሶም ሎሚ ዓርቢ ኣብዘውፅእዎ መግለፂ “ቅድሚ ሎሚ ካብ ዝነበረ ብዝሓሸ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ናይ ተስፋ ንፋስ ይነፍስ ኣሎ ክብል ፀኒሐ ኣለኹ፤ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ከምዚ ክሓስብ ካብዝገበሩኒ ምኽንያታት ሓደ እዮም’’ኢሎም ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ተሸላሚ ስልማት ኖቤል ሰላም 2019 ኮይኖም
please wait

No media source currently available

0:00 0:09:24 0:00


XS
SM
MD
LG