ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ዘካየዶ ናይ ክልተ መዓልታት ምብጻሕ ፈጺሙ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ


ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ኤርትራ ዘካየዶ ናይ ክልተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሙ ሎሚ ዓርቢ 19 ሓምለ 2019 ናብ ሃገሩ ተመሊሱ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ኣማኻሪኡ ኣቶ የማነ ገብረኣብን ከኣ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ተራኺቦም፡ ኣፋንዮሞ።

ቀንዲ ዕላማ ናይ’ዚ ናይ ክልተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ፡ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ቀዳማይ ዓመት ምኽንያት ብምግባር፡ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተሰርሑ ስርሓት ንምግምጋምን ኣብ ቀጻሊ ንዝስርሑ ሓባራዊ ናይ ልምዓት መደባት ንምምይያጥን ከምዝኾነ ሚንስትር ፋይናንስ ኢትዮጵያ ኣቶ ኣሕመድ ሽዴ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሩ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG