ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ኣብ አባላት ካቢነ ለውጢ ምግባሩ ኣፍሊጡ


ፋይል
ፋይል

ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ናይ ካቢነ ለውጢ ምግባሩ ሎሚ ዓርቢ 20 ጥሪ 2023 ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ። እቲ ተገይሩ ዘሎ ለውጢ ካቢነ ኣብ ሚንስተራት መጎዓዝያ፡ ማዕድንን ሕርሻን ክኸውን ከሎ፡ ኣለሙ ሲመ ሚንስተር መጎዓዝያን ሎጂስትክስን፡ ሃብታሙ ተገኝ ሚንስተር ማዕድን፡ ግርማ ኣመንተ ድማ ሚንስተር ሕርሻ ኮይኖም ተሸይሞም ኣለዉ። እቲ ቀዳማይ ሚንስተር ብተወሳኺ፡ ንኣለምጸሃይ ጳውሎስ ሚንስተር ጉዳያት ካቢነን ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስተርን ጌሩ ሸይሙዋ`ሎ።

እቶም ሓደሽቲ ሚንስተራት ነቶም ብኽብሪ ተፋንዮም ዝተባህሉ ኣርባዕተ ሚንስተራት ክትክኡ`ዮም። ካብ መንጎ ዝተተክኡ ሓደ ሚንስተር ማዕድን ዝነበረ ታከለ ኡማ ተጠቃሳይ`ዩ።

ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ብተወሳኺ ንማሞ ምሕረቱ ኣመሓዳሪ ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ጌሩ መዚዝዎ`ሎ። ባይቶ ኢትዮጵያ ንወርሒ ዕረፍቲ ቅድሚ ምውጽኡ ነቶም ብቀዳማይ ሚንስተር ዝተሰየሙ ሰበ-ስልጣን ክጽድቕ ትጽቢት ይግበር።

XS
SM
MD
LG