ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኢትዮጵያ አብይ አሕመድ ንካልኣይ ናይ መዝነት ጊዜ ቃለ መሓላ ፈጺሞም


ቀዳማይ ሚንስትር አብይ ኣሕመድ ፓርቲ ብልፅግና ንመብዛሕቲኡ ናይ ፓርላማ መናብር ኣብ ዝሰዓረሉን ዝተጣየሸ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ቀሪቦም ንካል ኣይ ናይ መዝነት ጊዜ ቃለ ምሓላ ፈፂሞም::

ኣብቲ ስነ ስርዓት ቃለ መሓላ ዝተኻየደለ መስቀል አደባባይ ከተማ አዲስ አበባ መራሕቲ ሃገራትን ኣጋይሽን ተረኺቦም ኔሮም።

"እዚ ኣጋጣሚ ከም ሃገር ብጥንቃቐ ኣብ ረብሓ ክነውዕሎ ኢና’’ ዝበሉ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ እቲ ከይዲ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ምምሕዳር መንግስትነት ዘመን ንመጀመሪያ ግዜ ግልፅን ተኣማኒን ምርጫ ዝተኻየደሉ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ቀዳማይ ሚንስትር አብይ "ህዝባዊ ቅቡልነት ዝረኸበ መንግስቲ ዝተመስረተሉ እዩ’’ ኢሎም ። ኣብቲ ስነስርዓት መደረ ዘስምዑ ገለ መራሕቲ ኣፍሪቃ "ቀዳማይ ሚንስትር ኣብ ምርጫ ዘረጋግፁዎ ቅቡልነት ኣብ ናይ ሃገሮም ሰላም ንምስፋን ክሕግዞም’’ ተስፍኦም ገሊፆም ።

ብዛዕባ እቲ ቃለ ምሓላ ዝፀብፀበ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሼትድ ፕረስ ድማ ብ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ውሽጢ ንሓደ ዓመት ዝፅጋዕ ኵናት ኮይኖም ንካልኣይ ሓሙሽተ ዓመት ስልጣን ዘመኖም ሎሚ ሶኑይ ቃለ ምሓላ ፈፂሞም።ናይ ዶክተር ኣብይ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ቀረባ ኣብ ዝተኻየደ ነቐፌታ ዝቐረቦን ተቓወምቲ ፓርታት ዝተሓሰሙዎን ገለ ናይ ወፃኢ ተዓዘብቲ ድማ ካብቶም ዝሓለፉ ምርጫታት ዝሓሸ እዩ ዝበሉዎ ምርጫ ተዓዊቱ እዩ።

ኣብ 2019 ናይ ኖቤል ሰላም ተሸላሚ ዝኾኑ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ናይ ክልል ትግራይ ኵናት ናብ ካልኦት ከፋላት እታ ሃገር እናገፍሐ ብምኻዱ ዓብይ ብድሆታት ገጢሙዎም ይርከብ። ብመሰረት ኣሶሴይትድ ፕረስደማዊ ናይ ብሄራት ህውከት ቀፂሉ ተሓለቕቲ መሰላት ድማ ናይ ዓፋኒ መንግስቲ ተግባራት ናብቲ ናይ ቀደም ይምለስ ኣሎ ክብሉ የጠንቅቑ ።

XS
SM
MD
LG