ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ንፈለማ ጊዜ ኣብ ኹናት ትግራይ ግፍዒ ምፍጻሙ ገሊጾም


መራሒ ኢትዮጵያ ወታሃደራት መንግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ህድማ ንዝርከቡ መራሕቲ እቲ ክልል ንምህዳን ውግእ ኣብ ዝቐፀለሉ ግፍዒ ተፈፂሙ ኢሎም ::

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ሎሚ ሰሉስ ንኣባላት ፓርላማ ሃገሮም ከም ዝተዛረቡዎ ኣብ ትግራይ ግፍዒ ምፍፃሙ ዝሕብሩ ፀብፃባት ኣለው ኢሎም። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ 6 ሚሊዮን ህዝቢ ኣብ ዝነብሩላ ክልል ትግራይ ከበድቲ ገበናት ምፍፃሞም ኣፍልጦ ክህቡ እዚ ንመጀመሪያ ግዜ እዩ።

ብህወሓት ዝንዛሕ ‘’ናይ ፕሮፓጋንዳ ምግናን’’ ኣሎ ግን ንደቂ ኣንስትዮ ዝዓመፁ ወይ ገበናት ኵናት ዝፈፀሙ ወታሃደራት ክሕተቱ እዮም ኢሎም።

ኣሜሪካ ኣብ ትግራይ ዝተፈፀሙ ገሊኦም መግሃስታት ‘'ምፅናት ዓሌት’’ ክትብል ገሊፃቶ ኣላ።መንግስቲ ኢትዮጵያ መሰረት ዘይብሉ እዩ ክብል ነፂጉዎ ኣሎ።ኣሜሪካ ኣብ ጎኒ ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮይኖም ይዋግኡ ዘለው ወታሃደራት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወፁ ኣተሓሳሲባ ኣላ።

ምስ ኤርትራ ሰላም ብምፍጣሮም ኣብ 2019 ተዓዋቲ ኖበል ሽልማት ሰላም ዝኾኑ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ዘሎ ግጭት ደው ከብሉዎን ተፈፂሞም ዝብሃሉ ገበናት ኵናት ብዝሓሸ ድማ ብሕቡራት ሃገራት ዝምራሕ ዓለምለኸ ምርመራ ክካየድን ድፍኢት ገጢሙዎም ኣሎ።

ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝነቕፉ ግን ብፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝካየድ ምርመራ እኹል ኣይኮነን ምኽኒያቱ መንግስቲ ንርእሱ ክምርምር ኣይኽእልን ይብሉ።

XS
SM
MD
LG