ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኢትዮጵያ፡ ንሃገር ናይ ምልዋጥን ምዕባይን ዝረኸብናዮ ዕድል ከየምልጠና ልቦና ነሕድር ኢሎም


ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ብምኽንያት በዓል ልደት ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ምውላድ ክርስቶስ ክንዝክር ከለና፡ ሃገርና`ውን ንዘክር ኢሎም። “ ዝረኸብናዮ ንሃገርና ናይ ምልዋጥን ምዕባይን ዕድል ከየምልጠና ልቦና ነሕድር”።

ብኻልእ ወገን፡ ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ትማሊ ካብ ምልእቲ`ታ ሃገር ምስ ዝተዋጽኡ ልዕሊ ሰለስተ ሺሕ መማህራን ኣብ ዝተራኸበሉ እዋን፡ ካብ ተሳተፍቲ ዝቐረበሉ ሕቶታት ክምልሱ ከለው፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ መንግስቲ ሓደ`ዩ፡ ንሱ ድማ እቲ ኣነ ዝመርሖ መንግስቲ`ዩ ኢሉ። “ምእሳርን ምግራፍን ዝለመድና ሰባት፡ ንሕና ከም መንግስቲ ንዕኡ እንተገደፍናዮ ዝደኸምና ዝመስለና እንተኾይኑ ተጋጊና`ለና”።

ንሰራዊት ምክልኻል ካብ ዶብ-ክልል ትግራይ ብዛዕባ ምንቅስቃስ ሕቶ ቀሪብሉም፡ “ሰራዊት ምክልኻል ኣበይን ንምንታይን ክሰፍር ከምዘለዎ ዝምልከቶ ኣካል ኣሎ” ድሕሪ ምባል፡ “ህዝቢ ክፈልጦ ዝግባእ ፈደራል መንግስቲ ንሰራዊቱ ካብ ሓደ ጫፍ ናብ ካልእ ጫፍ ናይ ምንቅስቓስ ምሉእ ስልጣን ኣለዎ፡ ናይ ዝኾነ ምኽሪ`ውን ኣይደልዮን`ዩ” ኢሎም።

ቀ/ሚ ኣብይ ብተወሳኺ፡ ምስ ኤርትራ ኣብ ጉዳያት ንግዲ፡ ኣጠቓቕማ ወደባት፡ ኣብ ጉዳይ ዶብን ካልእን ብሚኒስተራት ዝምራሕ ኮሚቴ ቆይሙ ኣብ መብዛሕቲኡ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ ከምዘሎ`ውን ኣፍሊጡ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።


ርእይቶኹም

ርእይቶ ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG