ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ አብይ ኣሕመድ ካብ አባላት ፓርላማ ዝቐረበሎም ሕቶታት መሊሶም


ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ምሉእ ዕጥቖም ናብ ቤተ መንግስቲ ዘቕንዑ ወታደራት መንግስቲ ነቲ ለውጢ ንምኹላፍ ዕላማ ብዘለዎም ኣካላት ዝተለኣኹ እዮም ክብሉ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ገሊጾም።ንሶም ነዚ ዝገለፁ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ፓርላማ ብምርካብ ካብ ኣባላት ፓርላማ ንዝቐረበሎም ሕቶ ኣብዝመለስሉ እዋን እዩ።እብ ጉዳይ ፀጥታን ዜጋታት ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት እታ እታ ሃገር ዜጋታት የጋጥሞም ዘሎ ፀገምን እውን መብርሂ ሂቦም ኣለው።

ፓርላማ ኢትዮጵያ ሎሚ ሓሙስ ኣብዘካየዶ ኣኼባ ወከልቲ ህዝቢ ንቀዳማይ ሚንስተር ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ብርክት ዝበሉ ሕቶታት ኣቕሪቦምሎም ኣለው።ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ዝፍጥረ ዘሎ ግጭት፣ህውከት፣ዕንወት ንብረትን ምምዝባልን ብሓፈሻ ፀጥታ፣ምምዝባል ዜጋታትን ልዕልነት ሕግን ብዙሓት ሕቶታት ተላዒሎም።

ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ዕጥቖም ናብ ቤት መንግስቲ ዝመፁ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ነቲ ለውጢ ንምዕንቅፋ ዕላማ ብዘለዎም ኣካላት ዝተለኣኹ እዮም ክብሉ ገሊፆም ኣለው።

“እቲ ዕጡቕ ወታሃደር ዝመፀሉ ኣገባብ ዘይሕገ መንግስታውን ሓደገኛን ጥራሕ ዘይኮነ ዕላምኡ ነቲ ለውጢ ንምኹላፍ እዩ።ካልእ ቅኑዕ ዕላማ የብሉን።ነዚ ዝገበሩ ቁፅሮም ውሑዳት እንተኾኑ እውን መብዛሕትኦም መንእሰይ ስለዝኾነ ደሞዝ ዝውሰኽ መሲሉዎ ዝመፀ እዩ።”

ንሶም ኣተሓሕዝኡ ዝለዓለ ጥንቃቐ ይሓትት ነይሩ፡ እቶም ወታደራት ስምዒቶም ምስ ሰኸነ ምይይጥ ከምዝተገብረን ዘለዓዐሎምን ዝወደቦምን የቃልዑዎም ከምዘለው ብምግላፅ እቲ ጉዳይ ብዘይሓንቲ ቶኽሲ ምፍታሕ ተኻኢሉ ኢሎም።

ቀ/ሚ ኣብይ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ፣ሰለስተ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ከጋጥም ዝፀንሐ ምምዝባል፣መቕተልትን ዜጋታትን ብሰላም ወፂኦም ብሰላም ምእታው ከምዘይክኣሉን ኣዚዩ ዘነውር ተግባር እዩ’ውን ኢሎም።

“ኣብ ኢትዮጵያ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ደረጃ ዜጋታት ኣብ ልዕሊ ናይ ገዛእ ወገኖም በቲ ደረጃ ጨኪኖም ምምዝባል፣መቐትልቲ፣ወራር ዘካየድሉ ኩነታት ኣብ ዝቕፅሉ ዘመናት ኣብ ታሪኽና ከም ፀሊም ምዕራፍ ዝርኣይ እዩ።”

እዚ ‘’ዘሕፍር’’ ኢሎም ዝፀውዕዎ ተግባር ብሃበ ተረኽብ ዝተፈፀመ ወይ ተራ ገበን ዘይኮነ ፖለቲካዊ ዕላማ ሒዞም ንሃገር ብምጭናቕን ንህዝቢ ብምሽባርን ነቲ ዘሎ ለውጢ ንምቕያር ሰባት ወዲቦም ዝሰርሑዎ እዩ ኢሎም።

ኣብ ሶማሊያን ኦሮሚያን፣ቤንሻንጉል ግሙዝ ኣብ መንጎ ኣምሓራን ኦሮሞን፣ኣብ ጉጂ፣ጌዶን ብፍላይ ኣብ ቡራዮን ሃዋሳ ዘጋጠሙ ፍጻሜታት ምፅናት ዘርኢ እዩ ክብሉ ሓደ ኣባል ፓርላማ ንዘቕረቡዎ ሕቶ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ፖለቲካዊ ተበግሶ ዘለዎም ሰባት ዝፈጠሩዎ ሓደገኛ ገበን ካብ ምዃኑ ንላዕሊ ናብ ምጥፋእ ዘርኢ ዝብል ምውሳዱ ጠቓሚ ኣይኮነን ኢሎም።

“ምኽንያቱ ምፅናት ዘርኢ ዝበሃል ሓሳብ ንባዕሉ ካብ ኣፍ ኣባላት ቤት ምኽሪን ካብ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስትን ቅድሚ ምውፅኡ ዝምልከቶም ሰብ ሞያን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ዝርዝር መፅናዕቲ ከካይዱ ኣለዎም።ሓቂ እዩ እቲ መጥቓዕቲ ተፈፂሙ እዩ፤ግን ምፅናት ዘርኢ ኣብ ዝብል መደምደምታ ምብፃሕ ተዋሳኺ መፅናዕትን ምኽክርን ዝሓትት እዩ።”

በዚ ግጭት ዘይተጠቕዐ የለን ዝበሉ ንሶም ምፅናት ዘርኢ ኢልና እንተድኣ ፀዊዕናዮ ግን ንፈፀምቱ ኣፍልጦ ከም ምሃብ እዩ ዝቑፀር ኢሎም።

"ስርዓት ኣልቦነት መንግስትን ህዝብን ይፈተኑሉ ዘሎ ዓብይ ሽግር እዩ’’ ዝበሉ ቀዳማይ ሚንስተር እዚ ፈተና ተሓጋጊዝና ክንሰግሮ እንተድኣ ዘይክኢልና ከም ሃገር ዘይንቕፅለሉ ኩነታት ክፍጥር ይኽእል እዩ ኢሎም።መንግስቲ ግጭት ደው ናይ ምባል፣ግጭት ክፍጠረሎም ይኽእሉ ዝበሃሉ ከባቢታት ፈሊኻ ምክልኻልን ነባሪ ሰላም ኣብ ምስፋንን ይሰርሕ ኣሎ” ኢሎም።

ማሕበራዊ ሚዲያ ብምጥቓም ሽሞም እናቐያየሩን ኣብ መንጎ ዜጋታት ግጭት ዘለዓዕሉን ንምዕጋት ዝገበር ፃዕሪ እንተሃሊዩ ዝተሓተቱ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኮነ ኢሉ ዘጥፍእን ተራ ተጠቃሚን ንምፍላይ ከቢድ ስራሕ ከምዝኾነ ብምጥቓስ ሓይሊ በይኑ እኹል ኣይኮነን፤እቶም ቀንዲ/ማስተርማይንድ/ ኣብ ምፍላይን ምሓዝን ትኹረት ክውሃብ ኣለዎ ኢሎም።

ካብ ማሕበራዊ ሚዲያን ናይ ውልቂ ሚዲያን ብዘይንእስ ናይ መንግስቲ ማዕኸናት ዜና እውን ፀገሞ ከምዘለዎም ብምሕባር ኩሎም ብሓላፍነት መንፈስ ክሰርሑ ሓቲቶም።

ሓይሊ ክጥቀም ዘለዎ መንግስቲ ጥራሕ ምዃኑን ኣብ ምጥቓም ሓይሊ ድማ ጥንቃቐ ከምዘድልን ገሊፆም።ኣብቶም ዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ መንግስቲ ልዕልነት ሕጊ ንምርግጋፅ ብርክት ዝበሉ ስራሓት ከምዝሰርሓ እውን ከምዚ ኢሎም።

“ኣብቶም ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ ካብ ንቡር ገበን ወፃኢ ልዕሊ 1,700 ሰባት ናብ ሕጊ ቀሪቦም ኣለው።ኣብ ሃዋሳ ልዕሊ ሓደ ሽሕ፣ኣብ ቡራዩ ልዕሊ 380፣ኣዲስ ኣበባ ልዕሊ 80፣ካብ ቤንሻንጉል 138 ጋምቤላ 15 ሰባት ናብ ሕጊ ቀሪቦም ኣለው።”

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብቲ ዝተጠቕሰ ቁፅሪ ንላዕሊ ዝተትሓዙ መናእሰይ ከምዘለው ብምሕባር ኣፃሪኻ ንምትሓዝ ድሩትነት ዓቕሚ ስለዘሎ ኩሎም ስልጠና ክወስዱ ከምዝተገብሩ ኣብዚ መስርሕ ብዘይኣገባብ ዝተኣሰሩ እንተድኣ ሃሊዮም ናይ ለውጢ ኣካል ገይሮም ክሓስቡ ኣለዎም ኢሎም።

ገበን ፈፂሞም ናብ ፍርዲ ዘይቐርቡ ኣለው ዝብል ንዝቐረበ ሕቶ ክምልሱ ከለው ኣብ ስልጣን ዝነበሩ ሰባት ኣብ ሌብነት ይኹን ኣብ ካልእ ገበን ክዋፈሩ ከለው መረዳእታ ከመይ ከምዝፍጠር ዝፈልጡ ስለዝኾነ ናይ ምፅራይ ስራሕ ግዜ ወሲዱ’ሎ ድሕሪ ሓፂር ግዜ ወግዓዊ ክኸውን እዩ ኢሎም።

“ናይ ምፅራይ ስራሕ እቲ ትካል እውን እናተፈተሸ ስለዝስራሕ ግዜ ወሲዱ’ሎ።ዝኾነ ኮይኑ ግን ድሕሪ ሒደት ምናልባት እውን ድሕሪ ሰሙን እዚ ጉዳይ ንህዝቢ ዕላዊ ክኸውን እዩ።”

ገበነኛታት ካብ ዝኾነ ይኹን ብሄር ወይ ደረጃ ስልጣን ናይ ሃገር ሃብቲ እንተድኣ ኣጥፊኦም ተፃሪዩ ብምሉእ መርትዖ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ዝሕተትሉ ኩነታት ኣብ ቀረባ መልክዕ ክሕዝ እዩ ኢሎም።

ናይታ ሃገር ቁጠባ ብዝለዓለ ኩነታት ኣብ ምሕዋይ ከምዝርከብን ምዕቃብ ናይ ወጻኢ ሸርፊ እውን ቅቡል ኣብዝብሃል ደረጃ ከምዝበፅሐን ሓቢሮም።

ምስ ዶብ ሱዳን ተአሳሲሩ ንዝተላዕለ ሕቶ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ክምልሱ ከለው መራሕቲ ኣፍሪቃ ባዕዳዊያን ገዛእቲ ዝሰርሑዎ ዶብ ንምቕባል ስለዝወሰኑ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ 1902፣1907 ስምምዕ ተገይሩ ምስ በሉ።

“ፀኒሑ ድማ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮጳ ኣብ 1972 ናይ ኢትዮጵያ ሚንስተር ወፃኢ ዝነበሩ ዶ/ር ምናሴ ሃይለ ምስ ሱዳን ተላዚቦም ዝኾነ ሰነድ ፈሪሞም እዮም።ካብ 1972 ንድሓር መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝፈልጦ፣ፓርላማ ዘፅደቖ ዝኾነ ይኹን ስምምዕነት የለን።እንተድኣ ሃሊዩ ኣብ ስራሕ ዝውዕል ኣይኮነን።”

ብድሕሪኡ ኣብ ዘሎ ግዜ ብኽልቲኡ ወገን ብዝልዓሉ ሕቶታት ዝተኻየደ ዝርርብ ጥራሕ እዩ ኢሎም።ናይ ዶብ ጉዳይ እቲ ፓርላማ ከይፈለጦ ዝግበር ነገር’ውን የለን እውን ኢሎም።

እቲ ፓርላማ ኣብ መወዳእታ ካብ ክልል ደቡብ ዞባ ጋምጎፋ ዝተወከሉ ኣቶ ታገሰ ጫፎ ኣፈ ጉባኤ ናይቲ ቤት ምኽሪ ብምምራጽ አኼብኡ ዛዚሙ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ቀ/ሚ አብይ ኣሕመድ ካብ አባላት ፓርላማ ዝቐረበሎም ሕቶታት መሊሶም
please wait

No media source currently available

0:00 0:07:50 0:00

XS
SM
MD
LG