ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ አብይ ኣሕመድ ንፈለማ ጊዜ ምስ መራሕቲ ፖለቲካ ውድባት ተዘራሪቦም


ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ምስ መራሕቲ ፖለቲካዊ ውድባት ትማሊ ሰንበት ተዘራሪቦም።ኣብ ገለ ከባቢታት እታ ሃገር ዘሎ ኩነታት ንክረጋጋእን ሓድነት ክሰፍን ናይ ተቓወምቲ ፓርቲታት ምትሕብባር ሓቲቶም ኣለው።

ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ስልጣን ካብ ዝሕዙ ፈላማይ ዝኾነ ልዝብ ምስ ተቓወምቲ ፓርቲታት ትማሊ ሰንበት ኣብ ቤት ፅሕፈት ቤት ቀዳማይ ሚንስተር ተኻይዱ።ኣብዚ ኣኼባ ካብ መንጎ ዝተሳተፉ ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ሰማያዊ ፓርቲ ኣቶ ኣበበ ኣካሉ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝንቀሳቐሱ ናይ ብሄር ወይ ህብረብሄር ፖለቲካዊ ውድባት መብዛሕቲኦም ተረኺቦም ኣለው ኢሎም።ብዝቐረበ ፃውዒት ናብ ውሽጢ ሃገር ዝኣተወ ናይ ኦሮሞ ዴሞክራሲያዊ ግንባር ኣባላት ኣመራርሓ ምስታፎም ተፈሊጡ።

ኣብቲ ኣኼባ ካብ መንጎ ዝተልዓሉ ጉዳያት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ዝልዓሉ ግጭታትን ይስዕብ ዘሎ ምምዝባል ነበርቲን ከምዝተልዓለን ዶ/ር ኣብይ ኣብዝሃብዎ መልሲ ባህላዊ ናይ ሽምግልና ኣካይዳ ተጠቒምካ እውን እንተኾነ ስላም ክረጋገፅ ከምዝክኣል ናይ ገለ ሃገራት ተመኩሮ ብምጥቓስ መብርሂ ምሃቦም ኣቶ ኣበበ ሓቢሮም።ሰላም ናይ ምስፋን ስራሕ ሓላፍነት መንግስቲ ጥራሕ ዘይምዃኑ ምግላጾምን እቶም መራሕቲ ተቓወምቲ ፓርቲታት ድማ ነዚ ከምዝተቐበሉዎም ሓቢሮም።

መሰጋገሪ መንግስቲ ክጣየሽ ካብ ተሳተፍቲ ንዝተልዓለ ሕቶን ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ዝሃብዎ መልስን እውን ኣቶ ኣበበ ከምዚ ኢሎም።

“መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስረት ኣለዎ ንዝብል ሕቶ ኣብ ዝሃብዎ መልሲ በዚ ሕዚ ዘሎ ኩነታት መሰገጋሪ መንግስቲ ይመስረት ምባል ኣፀጋሚ ምዃኑ፤ንመጻኢ ኣብዞም ሽግራት እዚኦም ተቐራሪብካ ብምስራሕ ነገራት ክመዓራርይ ከለው ግን ብሓባራዊ ልዝብን ድልየት ህዝብን ክንፍፅሞ ንኽእል ኢና” ክብሉ ምላሽ ምሃቦም ኣቶ ኣበበ ኣረዲኦም።

ኣቶ ኣበበ ገና ናብ ሃገር ዘይኣተው ውድባት ስለዘለውን ፈለማ ነዛ ሃገር ኣብ ምርግጋእ ክስራሕ ኣለዎ ክብሉ ነቶም ተሳተፍቲ ከምዝገለፁሎም ወሲኾም ገሊፆም ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG