ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ አብይ አሕመድ ናብ ከተማ ሰመራ በጺሖም


ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ አብይ አሕመድ ሎሚ ኣብ ክልል ዓፋር ከተማ ሰመራ ምብጻሕ አካይዶም ምስ ህዝቢ’ቲ ክልል ተዘራሪቦም ኣለው።

ኣብቲ ቀ/ሚ አብይ ምስ ኣመሓደርቲ’ቲ ክልል ልዝብ ዘካይድሉ ዝነበረ እዋን እቶም ኣመሓደርቲ ንሕቶና ብግቡእ ኣየቕርቡልናን እዮም ስለዚ ባዕላትና ከነቕርብ ዝብሉ መንእሰያት ኣብ ኣፍደገ’ቲ ልዝብ ዝተኻየደሉ አዳራሽ ምስ ፖሊስ ምግጫዎም ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ነበርቲ ሓቢሮም።

እንተኾነ ግን ሓደ ናይቲ ክልል ኣመሓዳሪ እቲ ዘተ ብሰላም ምዝዛሙን እቶም ቀዳማይ ሚንስትር ምምላሶምን ብምግላጽ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ደገ’ቲ ህንጻ ተኻይዱ ዝተባህለ ግጭት ኣፍልጦ ከምዘይብሎም ሓቢሮም ኣለው።

XS
SM
MD
LG