ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ አብይ አሕመድ ሸኽ አላሙዲ ከምዝፍትሑ ሓቢሮም


ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝሓለፈ መወዳእታ ሰሙን ኣብ ስዑዲ ዓረብን ዓረብ ኢማራትን ኣብ ዘካየድዎ ዑደት ዕዉት ነይሩ ክብሉ ገሊፆም።ሸኽ ኣላሙዲን እውን ኣብ ቀረባ ክፍትሑ እዮም ኢሎም።

ብተወሳኺ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ንምህናፅን ብልሽውና ንምቅላስን ንህዝቢ ከተማታት ደምቢ ደሎ፡ቀሌምን ወለጋን ፀዊዖም።

ቀዳማይ ሚንስትር አብይ አሕመድ ኣብ ስዑዲ ዓረብን ዓረብ ኢማራትን ዝገበርዎ ዑደት ዕውት ኔሩ ክብሉ ድሕሪ ምግላጽ ብፍላይ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝገበርዎ ዑደት መብዛሕትኡ ዘቅረብዎ ሕቶ አወንታዊ ምላሽ ረኺቡ ክብሉ ገሊጾም።

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ካብ ዝተአሰሩ ኢትዮጵያዊያን ሓደ ሽሕ ዝኾኑ ናብ ሃገሮም ክአተው ከምዝጀመሩ ገሊጾም ኔሮም።

ሸኽ መሓመድ ዓሊ አላሙሲ ብዝምልከት'ውን ከምዚ ኢሎም።

"ምእሳር ሸኽ አላሙዲን ኣብ ዓለም ዘለው ዲያስፖራ ኹሎም አጀንዳኦም ኽከውን አለዎ ምክንያቱ ኢትዮጵያ ንስኻ ንስኺ እንተኾይና ሓንቲ ኢትዮጵያ ተአሲራ'ላ ኢሎም።"

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ቀ/ሚ አብይ አሕመድ ሸኽ አላሙዲ ከምዝፍትሑ ሓቢሮም
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:16 0:00

ኣብዚኣ'ሞ

ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ወርሒ ህልው ኩነታት ሰላም ኢትዮጵያ ከመይ ይግምገም

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG