ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ አብይ አሕመድ ምስ ኢትዮጵያዊያን ንምዝርራብ ናብ ኣሜሪካ ክመጹ'ዮም


ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶ/ር አብይ አሕመድ ድሕሪ 3 ሰሙን ናብ ኣሜሪካ ዘካይድዎ ጉዕዞ ዕላምኡ ምስ ነበርቲ ኣሜሪካ ዝኾኑ ኢትዮጵያዊያንን ትውልደ ኢትዮጵያዊያንን ንምምይያጥ’ዩ ክብል ኣብ አዲስ አበባ ዝንሳቀስ ኮሚተ ኣፍሊጡ።

ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ 9 ክልላት ተንቀሳቂሶም ምስ ህዝቢ ዝተመያየጡ ቀዳማይ ሚንስትር አብይ አሕመድ ናብ ኣሜሪካ ከይዶም ምስ ዲያስፖራ ኢትዮጵያዊያን ንምዝርራብ ቀጻሊ ውጥኖም ምዃኑን ነዚ ጉዕዞ ንምትሕብባር ዝተመስረተ አብ ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሚኒስትር ደኤታ አምባሳደር ብርቱኳን አያነው ዝምራሕ ህቡባት ሰባት ብወለኝትነት ዝሳተፍሉ ዘለው ኮሚተ ሎሚ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ይርከቡ’ዮም ተባሂሎም ካብ ዝግመቱ 3 ሚልዮን ኢትዮጵያዊያን እቶም 1 ሚልዮን ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ከምዝርከቡ ዝገለጻ’ተን አምባሳደር: እቶም ቀዳማይ ሚንስትር አብዚ ናይ ኣሜሪካ ዑደቶም ምስ ሰበ ስልጣን ኣሜሪካ ንምዝርራብ ቆጸራ ኣይሓዙን ኢለን።እቲ ዑደት ምስ ኢትዮጵያን ንምዝርራብ ጥራይ እዩ ክብላ’ውን ወሲኸን አረዲአን።

XS
SM
MD
LG