ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኒውዝላንድ ካብ መዝነተን ከምዝለቃ ኣፍሊጠን


ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኒውዝላንድ ጃሲንዳ ኣርደርን ሓፈሻዊ ምርጫ እታ ሃገር ጥቅምቲ 14 ክካየድ ምዃኑ ኣፍሊጠን። ንሰን ወሲኸን ኣብ መጀመርታ መዓልታት ዝመጽእ ወርሒ ካብ መዝነተን ከምዝለቃ ክሳብ ሽዑ ግን ኣውፃኢት ሕጊ ኮይነ ከምዝፀንሓ ኣብቲ ካብ ናፓየር ዝሃበኦ መግለፂ ሓቢረን።

“ናብ ስልጣን ካብ ዝመፅእ ናብ ሻድሻይ ዓመተይ ይፅጋዕ ኣለኹ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ እዞም ዓመታት ኩሉ ዘለኒ ብዘይ ገደብ ሂበ እየ ይህብ እውን ኣለኹ። ብምዃኑ ኣብ ዝመጽእ ምርጫ ክሳተፍ ዘይምዃነይን ከምኡ እውን ዕድመ ስልጣን ቀዳማይ ሚኒስተርነተይ ኣብ 7 ለካቲት 2023 ዘብቅዕ ይኸውን። ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመትን ፈረቃን ኣብ ህይወተይ ኣዝዮም ዘሐጎሱኒ እዋናት ኾይኖም ብድሆታት እውን ግን ነይሩዎ” ኢለን።

ኣርደርን ኣብዚ ዓመት ፓርቲአን ከቢድ ውድድር ምርጫ የጋንፎ ኣሎ። እቲ ሊበራላዊ ፓርቲአን ቅድሚ ክልተ ዓመት ብልዑል ድምፂ ተዓዊቱ ዝነበረ እኳ እንተኾነ ሎምዘበን ግን ብዓቃባውያን ይምራሕ ምህላዉ ይግለጽ ኣሎ።

ኣርደርን ኣብ ለበዳ ቫይረስኮሮና ዝነበረን ኣተኣላልያ ዓለምለኸ ናእዳ ዝረኸባ ኾይነን ኣብ ውሽጢ ሃገረን ግን ነቲ ዜሮ ተፃዋርነት ኮቪድ19 ብዝብል መምርሒአን አዝዩ ጥቡቅ ምንባሩ ከቢድ ነቀፌታ ኣስዒቡለን እዩ።

ኣርደርን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ነቲ ኣንፃር ለበዳ ኮቪድ19ን ንመፃኢ ካብ ዝመፅእ ለበዳ ዘድሊ ቅድመ ምድላውን አብ ዝተገብረ ቃልሲ ምምሕዳረን ንወሰዶ ትኽክለኛ ስጉምቲ ንጉሳዊ ኮምሽን መርመራ ክፍትሾ ምዃኑ ገሊፀን ነይረን። ፀብፃብ እቲ መርምራ ኣብ ዝመፅእ ዓመት ክቀርብ እዩ።

XS
SM
MD
LG