ዋሽንግተን —
ቀዳማይ ሚንስትር እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ ድሕሪ’ቲ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ምርጫ ዝበዝሓ ድምጺ ፓርላማ ዝሓዘ ጥምረት መንግስቲ ንምምስራት ዝገበርዎ ጻዕሪ ብዘይምዕዋቱ ተስፋ ዝቖረጹ ይመስሉ ኣለው።
መራሒ ዓቃባዊ ሰልፊ ሉኩድ ቀዳማይ ሚንስትር እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ ምስ ማእከላይ መርገጺ ዘለዎም መራሒ ሰማያዊን ጻዕዳን ፓርቲ ጋንተዝ ብምዃን ናይ ጥምረት መንግስቲ ንምምስራት ዝገበርዎ ጻዕሪ ዘይምዕዋቱ ብምግላጽ ዝበዝሓ ድምጺ ፓርላማ ወይ ክስነት እስራኤል ክሕዙ ከምዘይኸአሉ ንፕረዚደንት’ታ ሃገር ሩቨን ረቭሊን ገሊጾም ።