ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ነታንያሁ ኣብ እስራኤል ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ ሮኬት ናይ ኣሜሪካ ዑደቶም አቋሪጾም ተመሊሶም


ቀ/ሚ እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ ሎሚ ሶኑይ ምስ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ድሕሪ ምርኻቦም ኣብ እስራኤል ብሰንኪ ዘጋጠመ መጥቓዕቲ ሮኬት ዑደቶም አቛሪጾም ናብ ሃገሮም ምምላሶም ተገሊጹ።

ቀ/ሚ ነታንያሁ ጽባሕ ሶሉስ ኣብ ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ናይ ድራር እንግዶት ተዳልይሎም ከምዝነበረን ድሕሪኡ ድማ ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሩ ኣይሁዳዊት ሃገር እስራኤል ዝድግፍ ጉጅለ ኮሚተ ህዝባዊ ጉዳያት ኣሜሪካዊያን እስራኤላዊያን ክዘራረቡን ተመዲቡ ምንባሩ ይፍለጥ።

ቀ/ሚ ነታንያሁ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ነዚ ናብ እስራኤል ክምለሱ ዘገዳዶም “ናይ ገበነኛታት መጥቓዕቲ” ዝበልዎ መጥቓዕቲ ሮኬት ተሪር ግብረ መልሲ ከምዝህቡ ገሊጾም ኣለው።

እቲ ካብ ወሽመጥ ቃዛ ዝተተኮሰ ሮኬት ኣብ ማእከላይ እስራኤል ዝርከብ ሓደ ገዛ ዝወደቐ ክከውን ከሎ ሸውዓተ ሰባት ከምዘቁሰለ ተፈሊጡ’ሎ።

ወታሃደራዊ ሓይልታት እስራኤል እቲ መጥቓዕቲ ብዕጡቓት ሓማስ ዝተፈጸመ’ ዩ ብምባል ንዶባት ቃዛ ንምውሓስ ወታሃደራዊ ሓይሊ ናብቲ ቦታ ምልኣኾም ተፈሊጡ’ሎ።

ዑደት ቀ/ሚ ነታ ያሁ ነቲ ኣብ ሚያዝያ 9 ዝካየድ ምርጫ ደገፍ ንምርካብ ኣብ ዝንቀሳቀስሉ ዘሎ ኽከውን ከሎ ፕረዚደንት ትራምፕ ድማ ብወገኖም እምባታት ጎላን ሉኣላዊ መሬት እስራኤል ምኳኖም ኣፍልጦ ክህብሉ ኣብ ዝዳለውሉ ዘሎ ጊዜ’ዩ።

እስ ኤል ንእምባታት ጎላን ኣብ1967 ዝተኻየደ ናይ ሽዱሽተ መዓልታት ኩናት ዝተቆጻጸረቶ ምዃኑ ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG