ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ነታንያሁ ኣብ መባእታዊ ምርጫ ሃገሮም 72.5 ሚእታዊት ድምጺ ብምርኻብ ተዓዊቶም


ቀዳማይ ሚንስትር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ንውድቦም ሊኩድ ፓርቲ ኣብ ዝቕፅል መጋቢት 2020 ኣብ ዝካየደ ሓፈሻዊ ምርጫ ክመርሑ ዘኽእሎም መባእታዊ ምርጫ ምዕዋቶም ዓብይ ዓወት’ዩ ክብሉ ሎሚ ዓርቢ ሓቢሮም።

ቀዳማይ ሚንስትር እስራኤል ኮይኖም ን ነዊሕ ዘገልገሉ ግን ድማ ብብልሽውና ዝተኸሰሱን ኣብ ውሽጢ 12 ኣዋርሕ ሳልሳይ ሓፈሻዊ ምርጫ ዝገጠሞምን ኔታንያሁ ብ72.5 ሚእታዊት ድምፂ ዝተዓወቱ ክኾኑ ከለው ኣንጻሮም ዝተወዳደረ ጊዲዮን ሳዓር 27.5 ሚእታዊት ድምፂ ረኺቦም ኣለው።ክንድ’ዚ ብዝኣክል ሰፊሕ ኣፈላላይ ምዕዋቶም ን20 ዓመታት ኣብ ዝተቖፃጸሩዎ ውድብ ዘለዎም መርገፂ ዘርእይ’ዩ።

ንኣባላት ሊኩድ ምስጋንኦም ዘቕረቡ ቀ/ሚ ነታንያሁ “ብሓገዝ ፈጣሪን ብሓገዝኩምን ኣብ ዝቕፅል ሓፈሻዊ ምርጫ ንሊኩድ ፓርቲ ናብ ዓብይ ዓወት ክመርሖ እየ፤ንሃገረ እስራኤል እውን ቅድሚ ሎሚ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ዓወት ምምራሕና ክቕፅል እዩ’’ክብሉ ብቲዊተር ኣብዝለኣኹዎ ፅሑፍ ኣፍሊጦም።

XS
SM
MD
LG