ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ነተንያሁ ከም መቐጸልታ ዝቐረበሉ ናይ ብልሽውና ክሲ ቤት ፍርዲ ውዒሉ


ቀዳማይ ሚንስተር እስራኤል በንጃሚን ነተንያሁ ከም መቐጸልታ ናይ ብልሽውና መስርሕ ፍርዱ ቤትፍርዲ ቀሪቡ ውዒሉ። እዚ ጉዳይ ፍርዲ ነተንያሁ ዝስማዕ ዘሎ ዝቕጽል መንግስቲ እስራኤል መን የቐውም ኣብ ዝብል ፖለቲከኛታት እስራኤል ምስ ፕረዚደንት`ታ ሃገር ኣብ ዝዝትይሉ ዘለዉ እዋን`ዩ:: ዝሓለፈ ወርሒ ዝተኻየደ ምርጫ ኣብ ልዕሊ ነተንያሁ ዳርጋ ህዝበ-ውሳነ ዝመስል መልእኽቲ ዝነበሮ`ኳ እንተኾነ- ንጹር ውጽኢት ግን ኣይሃበን። ቀዳማይ ሚንስተር እስራኤል ብብላዕን ምድንጋርን`ዩ ተኸሲሱ ዘሎ- ነተንያሁ ግን ኮነ ኢልካ ዝግበር ናይ ጠቐነ ዘመተ`ዩ ክብል ክነጽጎ ጸኒሑ`ዩ።

XS
SM
MD
LG