ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ነበር ሃይለማርያም ደሳለኝ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ከምዘይክእሉ ሓቢሮም


ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ነበር ሃይለማርያም ደሳለኝ
ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ነበር ሃይለማርያም ደሳለኝ

ኣብ ጉዳይ ክሲ ዋና ዳይሬክተር ሜቴክ ሜጀር ጀነራል ክንፈ ዳኘው ብዝተሓሓዝ ንምስክርነት ዝተጸውዐን ተኣሲሩ ፍርዲ ቤት ክቐርብ ትእዛዝ ዝተመሓላለፎን ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ዝነበረ ሃይለማርያም ደሳለኝ፡ ብኣካል ቤት ፍርዲ ክቐርብ ከምዘይክእል ኣፍሊጡ።

ኣቶ ሃይለማርያም ክሳብ ሕጂ ካብ ቤት ፍርዲ ዝበጽሖን ፈሪሙ ዝተቐበሎን መጸዋዕታ ከምዘየለ ኣብ ደብዳቢኡ ድሕሪ ምግላጽ፡ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝጸውዖ ኣብ ዝኾነ ግዜ ምስክርነት ንምሃብ ድልው ምዃኑ ካብ ጠበቓታት ተኸሰስቲ ሓደ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጹ`ሎ።

ምስ ክሲ ጀነራል ክንፈ ዳኘው ዝተሓሓዝ ናይ ሕርሻ መሳርሕን ናይ መርከብ ዕድግን ብዝምልከት ሎሚ ናይ ተኸሳሲ ምስክርነት ቃል ክሰምዕ ዝወዓለ ቤት ፍርዲ፡ እቲ ናይ ኣቶ ሃይለማርያም ደብዳበ`ውን ርእይዎ`ሎ።

ብተደጋጋሚ መጸዋዕታ በጺሕዎ ክቐርብ ኣይክኣለን ዝተባህለ ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ዝነበረ ሃይለማርያም ደሳለኝ፡ ተኣሲሮም ክቐርቡ ትእዛዝ ካብ ዝተመሓላለፈሎም ሓደ ምዃኑ ካብ ጠበቓታት ሓደ ሓቢሩ`ሎ።።


ኣቶ ሃይለማርያም ግን መጸዋዕታ በጺሑኒ ኣይርከብን ኣብ ዘይበልኩሉ ኩነታት ተኣሲረ ክቐርብ ብቤት ፍርዲ ትእዛዝ ምትሕልላፉ ግቡእ ኣይኮነን ምባሉ ተጠቒሱ`ሎ።

XS
SM
MD
LG