ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ብሪጣንያ ፓርላማ ሃገሮም ክብተን ዝወሰድዎ ስጉምቲ ኣብ መላእ'ታ ሃገር ተቓውሞ ኣልዒሉ'ሎ


ቀዳማይ ሚንስተርብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን ፓርላማ እታ ሃገር ክሳብ ፍርቂ ጥቅምቲ ክብተን ዝወሰዱዎ ስጉምቲ ብዝምልከት ዝጀመረ ተቓውሞ ሎሚ ሓሙስ ቀፂሉ’ሎ።

ንሶም ብዘይ ዝኾነ ስምምዕ ሃገሮም 31 ጥቅምቲ 2019 ካብ ሕብረት ኣውሮጳ ክትወፅእ ዝሓዙዎ ትልሚ ትማሊ ረቡዕ ምስ ገለጹ ካብ ተቓወምቲ ኣባላት ፓርላማ ቅልጡፍ ቁጥዐ ኣልዒሉ’ሎ።ተቓወምቲ ንናይ ቀዳማይ ሚንስተር ውሳነ ንምዕፃው ከይፍትኑ ዝገብር ስጉምቲ እዩ ይብሉ።

ናይ ጆንሰን ስጉምቲ ካብ ፓርላማ ወፃኢን ኣብ ከተማታትን ተቓውሞ ወሊዑ’ሎ።ነቲ ስጉምቲ ዝቃወም ናይኦንላይን ምሕፅንታ ወይ ፐቲሽን ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ሰባት ፈሪሞም ኣለው።

ኣብ ውሽጢ ናይ ጆንሰን ዓቃባዊ ፓርቲ Conservative Party ወጥሪ ኣልዒሉ’ሎ። ነቐፍቲ እውን መንግስቲ ነቲ ዘይተፅሓፈ ልሙድ ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ብምብርዓን ንናይ ብሪጣኒያ ዲሞክራሲ ኣብ ስግኣት ኣውዲቑዎ’ሎ ክብሉ ይኸሱዎም ኣለው።

XS
SM
MD
LG