ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ሶማል ድሕሪ ኣብ ሞቓዲሾ ዘጋጠመ ግጭት ንህድኣትን ልዝብን ጸዊዖም


ቀዳማይ ሚኒስትር ሶማል መሓመድ ሑሴን ሮበል ኣብ ከተማ ሞቓድሾ ኣብ መንጎ ደገፍቲ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድን ተነሓናሕቶምን ዝተላዕለ ግጭት ክሃድኡን ንክልቲኦም ወገናት ንልዝብ ፀዊዖም። ተንተንቲ ናይ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ ስልጣን ንምንዋሕ ፓርላማ ድሕሪ ምውሳኑ ዝተላዕለ ፖለቲካዊ ወጥሪ ናብ ወታሃደራዊ ግጭት ከየምርሕ ስግኣት ኣለዎም።

ቀ/ ሚኒስትር ሮበል በቲ ሎሚ ለይቲ ኣብ ዋና ከተማ ሞቓድሾ ኣብ መንጎ ሓይልታት ፀጥታ መንግስትን ተቓወምትን ዘጋጠመ ህውከት ምሕዛኖም ገሊፆም።ካብቲ ዝተኣተወ ደውታ እንኮ ፍታሕ ልዝብን ምርድዳእን እዩ ኢሎም።

ሕብረት ኣፍሪቃ ንናይ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ ምንዋሕ ስልጣን ብምንፃግ መራሕቲ ሶማል ምርጫ ንምክያድ ልዝቦም ክቕፅሉ ኣተሓሳሲቡ።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG