ዋሽንግተን —
ድሕሪ ኣብ ሆቴል ሞቃዲሾ ዝተፈጸመን ን21 ሰባት ዝቐተለን 117 ሰባት ዘቑሰለን መጥቃዕቲ ኣል-ሸባብ ግብረ መልሲ ዝሃቡ ቀ/ሚ ሶማል ሃምዛ ዓብዲ ባሬ ተሓታትነት ከምዝህልው ቃል አትዮም።
ሃምዛ ዓብዲ ባሬ ኣብ መግለጺኦም ነቲ ኣብ ሆቴል ሃያት ዘጋጠመ መጥቃዕቲ መንግስቲ ክሕተተሉ እዩ ኢሎም።
ሰራዊት መንግስቲ፣ ኣብ’ቲ ሆቴል ኣጓኒፉ ዝነበረ ናይ ዕጡቃት ኣል-ሸባብ ከበባ፣ ድሕሪ ናይ ሰላሳ ሰዓታት ስርሒት ምዝዛሙ ይፍለጥ።
ፕረዚደንት ሶማል ብወገኖም መንግስቲ ሶማልን መሻርኽቱን፣ ኣብ ልዕሊ ኣል- ሸባብ፣ ስነ ሓሳባዊን ቁጠባዊን ውግእ ክኸፍቱ’ዮም ኢሎም።
ወናኒ ሆቴል ሃያት ዓብደልቃድር መሓመድ ኑር ገለ ኣጋይሽ’ቲ ሆቴል ኣብ’ቲ መጥቃዕቲ ተሳቲፎም፣ ካብኡ ዝገደደ ድማ፣ ፈጸምቲ’ቲ መጥቃዕቲ፣ ነጋዶ መዓር መሲሎም እዮም ናብ’ቲ ሆቴል ኣትዮም ንዝብል ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ወረ ነጺግዎ’ሎ።