ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ሶማል፡ ብምኽንያት ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ደርቂ ሰብኣዊ ሓደጋ ኣዊጁ


ፋይል
ፋይል

ቀዳማይ ሚንስተር ሶማል መሓመድ ሑሴን ሮብለ፡ ኣብ ደቡባዊን ማእከላይን ሶማል ብሰንኪ ሕጽረት ዝናብ ዘስዓቦ ከቢድ ደርቂ ኣብታ ሃገር ህጹጽ ኣዋጅ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝኣወጀ ትማሊ ኣብ ሞቓዲሾ ኣፍሊጡ`ሎ።

መሓመድ ሮብለ ኣብቲ ጻውዒቱ፡ “ኩሎም ሶማልያውያን፡ ነጋዶ፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ኮሚኒቲ ዲያስፖራ፡ ከምኡ ኣህጉራዊ ኮሚኒቲን ፈተውቲ ሶማልን፡ ንስቓይ`ቶም ብሰንኪ ደርቂ ዝተጎድኡ ንምሕጋዝ ብዝተወሃሃደ መልክዕ ክረባረቡ እጽውዕ” ኢሉ።

ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ ምትሕብባር ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ፡ ኣስታት ርብዒ ህዝቢ ሶማል ፡ብደርቂ ተጠቒዑ`ሎ ክብል ኣፍሊጡ`ሎ። እቲ ትካል ወሲኹ "ኣስታት 2.6 ሚልየን ህዝቢ ሶማል በቲ ደርቂ ተሃስዩ`ሎ፡ 113 ሺሕ ድማ ብሰንኪ `ቲ ደርቂ ተፈናቒሉ`ሎ" ይብል።

ኣሸሓት ጥሪት`ውን በቲ ደርቂ ይሞታ ከምዘለዋን ፡ ጓሶት ንጥሪቶም ዝኸውን ማይን መግብን ከናድዩ ናብ ከተማታት ገጾም ይሃድሙ ከም ዘለዉን፡ ሰበ-ስልጣን ሶማል ይሕብሩ`ለዉ።

ናይ ሕቡራት ሃገራት ውድብ መግብን ሕርሻን፡ ልዕሊ 80 ሚእታዊት ሶማል ብሰንኪ ሕጽረት ዝናብ ተኸታታሊ ደርቂ ኣጋጢምዎ ከምዘሎ ንዝመጽእ ወርሕን ድሕሪኡ`ውን ክቕጽል ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ`ሎ።

XS
SM
MD
LG