ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ሴኔጋል ነበር ሼክ ሃጂቡ ሱማረ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ጠበቕኦም ገሊፁ


ቀዳማይ ሚኒስተር ሴኔጋል ነበር ሼክ ሃጂቡ ሱማረ-ፋይል
ቀዳማይ ሚኒስተር ሴኔጋል ነበር ሼክ ሃጂቡ ሱማረ-ፋይል

ቀዳማይ ሚኒስተር ሴኔጋል ነበር ሼክ ሃጂቡ ሱማረ ፕረዚደንት ሴኔጋል ማኪ ሳል ንፍሉጥ ፖለቲካዊ ፓርቲ ፈረንሳ ገንዘባዊ ሓገዝ ምሃቦም ኣመልኪቶም ዘቕረብዎ ሕቶ ስዒቡ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ጠበቕኦም ገሊፁ።

ካብ 2017-2019 ኣብ እዋን ስልጣን ፕረዚደንት ነበር ዓብዶላየ ዋደ ሚኒስተር ፋይናንስን ዳሓር ድማ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝነበሩ ሱማረ ትማሊ ሓሙስ ብፖሊስ ተፀዊዖም አብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ሓደ ብዓልስልጣን ፖሊስ ንማዕከን ዜና ፈረንሳ ሓቢሮም ኣለው ።

ኣብዝሓለፈ ሰሙን መወዳእታ ሱማር ንፕረዚደንት ሳል “ፓርቲኦም ነቲ ብፅልኣትን ንኻልኦት ብምንፃግን” ዝፍለጥ ፖለቲካዊ ፓርቲ ፈረንሳ ኣባል ዝኾነ ፖለቲከኛ 12 ሚልዮን ዩሮ ሂቦም እንተኾይኖም ዝሓትት ግልፂ ደብዳቤ ፅሒፎምሎም ከምዝነበሩ ብዝምልከት መንግስቲ ሴኔጋል ብሰሉስ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ነዚ ብምንፃግ ነተን ኣብ 18 ጥሪ 2013 ኣብ ዳካር ምስ ሳል ዝተራኸባ መራሒት ሃገራዊ ፓርቲ ፈረንሳ ማሪን ሊ ፔን ዝኾነ ዓይነት ገንዘባዊ ውህብቶ ከምዘይገበረለን ገሊፁ።

ተጣበቕቲ መሰላትን ተቃወምቲ ሳልን ምርጫ 2024 ኣብ ዝተቃረበሉ ነፃነት ሲቪላውያን ፀቅጢ ይበዝሖ ኣሎ ክብሉ ይኸሱ መንግስቲ ግን ዝተለወጠ ነገር ከምዘየሎን ሕጊ ኣብ ሴኔጋል ፍትሓዊ ብዝኾነ መገዲ ይትግበር ምህላዉን ይገልጽ። ሳል ፈለማ ኣብ 2012 ደጊሞም ኣብ 2019 ተወዳዲሮም ዝተመረፁ ኮይኖም ንሳልሳይ ግዜ ኣብ 2024 ክወዳደሩ ንምዃኖም ግን ዛጊት ዝተፈልጠ የለን።

XS
SM
MD
LG