ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ መዝነቶም ሓዲጎም


ቀ/ሚ ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ
ቀ/ሚ ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ

ቀዳማይ ሚንስተር ዓብደላ ሓምዶክ ንሱዳን ብሰላማዊ መንገዲ ከሰጋግራ ኣይክኣልኩም ብዝብል ትማሊ ሰንበት ስልጣኑ ድሕሪ ምሕዳጉ ፡ እታ ሃገር ናብ ዝኸፍአ ፖለቲካዊ ቅልውላው ትኣቱ ከምዘላ ይግለጽ ኣሎ።

ዓብደላ ሓምዶክ ትማሊ ብተለቪዥን`ታ ሃገር ኣብ ዘስምዖ መግለጺ፡ ንሱዳን ካብ ሓደገኛ ጉዕዞ ከድሕና ፈቲኑ ግን ከምዘይኮነሉ`ዩ ተዛሪቡ።

ቀዳማይ ሚንስተር ዓበደላ ሓምዶክ“ እዛ ሃገር ናብ ጥፍኣት ንኸይትመሉቕ ዝኸኣልክዎ ፈቲነ፡ ሕጂ ግን ሃገርና ብሓደገኛ ነጥቢ መቐይሮ ትሓልፍ ኣላ። እዚ ኩነታት ድማ ቀልጢፉ እንተዘይተዓርዩ ምሉእ ድሕነት`ዛ ሃገር ኣብ ስግኣት ምውዳቑ`ዩ"ኢሉ ።

ሓምዶክ ኣተሓሒዙ፡ ምእንቲ ረብሓ ሰላም ጸጥታን ፍትሕን፡ ከምኡ`ውን ደም ምፍሳስ ንምውጋድ፡ ናብ ሲቪላዊ ደሞክራሲያዊት ሃገር ዝመርሕ ካልእ ሰብ ክመጽእ ግዜኡ ሕጂ`ዩ ኢሉ።

ሓምዶክ ትማሊ ስልጣኑ ዘረከብ ዘሎ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምላሱ ድሕሪ ሓደ ወርሒ`ዩ።

ቅድሚኡ`ውን ኣብ ጥቅምቲ ተዓልዩ ዝነበረ ዓብደላ ሓምዶክ ነታ ሃገር ክሳብ 2023 ምርጫ ንክመርሓ ምስ ወተሃደራዊ ሓይሊ`ታ ሃገር ኣብ ስምምዕ ድሕሪ ምብጽሑ`ዩ።

ምሁር ቁጠባን በዓል ስልጣን ሕቡራት ሃገራት ዝነበረን ዓብደላ ሓምዶክ ኣብ 2018 ድሕሪ ምዕላው ፕረዚደንት ዑማር ኣልበሽር`ዩ ንመሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ክመርሕ ተመዚዙ ኔሩ።

ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ካብ ስልጣን ምስተኣልየ ተቓውሞ ተወሊዑ፡ ድሕሪ ወርሒ ሕዳር ውዕል ምስ ወተሃደራዊ ኣዛዚ`ታ ሃገር ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል-ቡርሓን ምስ ተፈረመ`ውን እቲ ተቓውሞታት ቀጺሉ።

ሓምዶክ ትማሊ ሰንበት ስልጣነይ የረክብ ኣለኹ ምስ በለ ብትዊተር መልእኽቲ ዝለጠፈ ቤት ጽሕፈት ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ንጉዳይ ኣፍሪቃ፡ መራሕቲ ሱዳን ፍልልያቶም ኣወንዚፎም ዘሰማምዖም ባይታ ክደልዩን ሲቪላዊ ምምሕዳር ክተኽሉን ይጽውዕ። ዝቕጽል ቀዳማይ ሚንስተርን ካቢነን ድማ ሕገ-መንግስታዊ መርሆታት ዘኽበረን ንዕላማታት ናጽነት ሰላምን ፍትሕን ህዝቢ ዘማልእን ክኸውን ይግባእ ይብል።

ኣመሪካ ንደሞክራሲያዊ ጉዕዞ ምስ ህዝቢ ሱዳን ጠጠው ምባላ ከም ትቕጽል ዝሕብር`ቲ መግለጺ፡ ሰበ-ስልጣን ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ተቓውሞ ተሪር ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ክቑጠቡ ንጽውዕ ይብል።

ብኻልእ ወገን ፍሉይ ወኪል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ንሱዳን ቮልከር ፐርቲስ፡ ቀዳማይ ሚንስተር ሓምዶክ ክወርድ ምውሳኑ ከምዘሕዘኖ ብምግላጽ፡ መርሒነት ሓምዶክ ኣብቲ ቀዳማይ መድረኽ መሰጋገሪ እዋን ኣድማዒ ዓወታት ኣመዝጊቡ ምንባሩ ጠቒሱ።

ሓይልታት ጸጥታ`ታ ሃገር ንመሰል ናጽነት ምቅዋም ከኽብሩን ጎንጺ ዝፍጽሙ ናብ ፍትሒ ክቐርቡን ዝጸውዐ ፍሉይ ልኡኽ ንሱዳን፡ ህዝቢ ሱዳን ንደሞክራሲያዊ ጉዕዞ ዝጀመሮ መስርሕ ከፈጽሞ፡ ተዋሳእቲ ሱዳን ድማ ትርጉም ዘለዎ ኣሳታፊ ልዝብ ክገብሩ ብምጽዋዕ፡ ሕቡራት ሃገራት ነዚ ንምስላጥ ኣብ ጎኖም ከምዘሎ ኣፍሊጡ`ሎ።

XS
SM
MD
LG