ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ሱዳን ዓበደላ ሓምዶክ፡ ሎሚ ኣብ ኣስመራ ምስ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ተራኺቡ፡ዘትዩ


ሎሚ ኣስመራ ዝኣተወ ናይ ሱዳን ቀዳማይ ሚንስተር ዓበደላ ሓምዶክ፡ ምስ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ተራኺቡ፡ ብዛዕባ ክልቲኣዊ ዝምድና፡ ብዛዕባ ምዕባለ መስርሕ ስግግር ሱዳን፡ ከምኡ`ውን ብዛዕባ ዞባውን ኣህጉራውን ጉዳያት ምዝታዮም ሚንስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ትዊተሩ ሓቢሩ።


ክልቲኦም ወገናት፡ ኣብ መዳያት ቁጠባ፡ ጥዕናን ትምህርትን ሽርክነቶም ንምሕያል ከም ዝተሰማምዑ`ውን ጠቒሱ።

ብቀ/ሚንስተር ሱዳን ዓበደላ ዝምራሕ ጉጅለ፡ ሚንስተራት ንግድን ኢንዱስትሪን፡ ውሽጢ ሃገር፡ መጓዓዝያን ትሕቲ ቅርጺን ዝሓቖፈ`ዩ።


ነቲ ጉጅለ ልኡኽ ሱዳን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ዝተቐበሎ፡ ፕረዚደንታዊ ኣማኻሪ የማነ ገብረኣብ`ዩ።

XS
SM
MD
LG