ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ሱዳን ምስ ኣህጉራዊ መጋባእያ ገበናት ከም ዝተሓባበር ኣፍሊጡ


ቀዳማይ ሚንስተር መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ኣንጻር`ቲ መራሒ ሱዳን ዝነበረ ዑማር ኣል-በሽር ምስ ኣህጉራዊ በጋባእያ ገበናት ICC ከም ዝተሓባበር ኣፍሊጡ።

ቀ/ሚ ዓብደላ ሓምዶክ፥ ትማሊ ሰንበት ምስ ልኡኻት ኣህጉራዊ በጋባእያ ገበናት (ICC) ተራኺቡ ኔሩ። ICC ዑማር ኣልበሽር ኣብ 2003 ኣብ ዞባ ዳርፉር ምስ ዝተፈጸመ ምጽናት ዓሌትንን ጸረ-ሰብኣውነትን ዝብል ክሲ ብዝተሓሓዝ ተታሒዙ ክቐርብ መጸዋዕታ ኣሕሊፉ`ዩ።

ኣልበሽር ኣብቲ እዋን ነቲ ኣብ ዳርፉር ዝተላዕለ ናዕቢ ንምጭፍላቕ፥ ጃንጃዊድ ዝብሃሉ ሚልሻ ብምልኣኽ ክሳብ 300,000 ዝበጽሕ ህዝቢ ከም ዝሃልቕን 2.5 ሚልየን ከም ዝፈናቐለን ጌሩ ተባሂሉ`ዩ ዝኽሰስ።

እቲ ብጠቕላሊት ዓቃቢት ሕጊ ኣህጉራዊ በጋባእያ ገበናት (ICC) ፋጡ በንሶዳ ዝምራሕ ልኡኽ፥ ብዛዕባ ክልተ ተሓባበርቲ በሽር `ውን ሓበረታ ይደሊ`ሎ- ብዛዕባ ዓበደል ራሒም መሓመድ ሒሴንን ኣሕመድ ሓሩንን። ክልቲኦም ድሕሪ ምዕላው በሽር ተኣሲሮም እዮም ዘለዉ። መራሒ ጃንጃዊድ ዝነበረ ዓሊ ኩሻይብ ግን ኣብ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ኢዱ ድሕሪ ምሃቡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣህጉራዊ በጋባእያ ገበናት (ICC) `ዩ ዘሎ-።

XS
SM
MD
LG