ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ማሊ ፈረንሳ ንሃገሩ ትኸፋፍል ኣላ ክብል ይኸስስ


ቀ/ሚ ቸኮል ኮካላ ማይጋ -ፋይል
ቀ/ሚ ቸኮል ኮካላ ማይጋ -ፋይል

ፈረንሳ፣ ኣብ ማሊ ዝመደበቶ ወትሃደራዊ ልዑኽ፣ ንማሊ ይኸፋፍላ ኣሎ ክብሉ፣ ጊዚያዊ ቀ/ሚ ማሊ ከሲሶም።

ምስ ዲፕሎማሰኛታት ትማሊ ዝተዘራረቡ ቀ/ሚ ቸኮል ኮካላ ማይጋ፣ ማሊ በቶም ኣብ ውግእ ጸረ ግብረ ሽበራዊያን ዝወደቁ ፈረንሳዊያን ወትሃደራት ሕብንቲ እያ ኢሎም። እንተኾነ ይብሉ ንሶም፣ ወትሃደራዊ ተልዕኾ ፈረንሳ፣ ነቶም ግብረ ሽበራዊያን ይሕግዝ እዩ ነይሩ’ውን ኢሎም።

ሚስተር ማይጋ፣ ቅድሚ ሎሚ’ውን እንተኾነ፣ ፈረንሳ፣ ንግብረ ሽበራዊያንን ደባይ ተዋጋእቲ ቱኣረግን ትሕግዝ’ያ ኢሎም ከምዝኸሰሱ ዝዝከር እዩ።

ኣብ ትሕቲ ሰ ‘ሰርቫል’ ዝብል መጸውዒ ዝተፈጸመ ስርሒት ሰራዊት ፈረንሳ፣ ንሰሜናዊ ክፋል ማሊ ካብ ኢድ እስላማዊ ምልሻታት ናጻ ከምዘውጸአ ዝዝከር እዩ።

ኣብ መንጎ ማሊን ፈረንሳን ዝነበረ ውጥረት ዝሓየለ፣ ወትሃደራዊ ዕልዋ ናይ ማሊ ምስተፈጸመ፣ ደገፍ ፈረንሳ ዝኸሰበ እገዳ ደምበ ቁጠባ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ድሕሪ ምትግባሩ እዩ።

ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት፣ ኣብ ማሊ ክልተ ጊዜ ዕልዋ መንግስቲ ተኻይዱ'ሎ።

XS
SM
MD
LG