ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ህንዲ ሃገሮም ምስ ቻይና ኣብ ዘሰሓሕባ ዞባ ሂማላያህ በጺሖም


ናይ ህንዲ ቀ/ሚ ናረንድራ ሞዲ ኣብቲ ምስ ቻይና ዝሰሓሓባሉ ዞባ ሂማላያህ ሃንደበት ተረኺቡ ነቶም ኣብቲ ቦታ ተመዲቦም ዘለዉ ወተሃደራቱ ኣተባቢዑ። " ናይ ምስፍሕፋሕ ዘመን ኣብቂዑ`ዩ፥ ሓይልታት ምስፍሕፋሕ ወይ ይስዓሩ ወይ ይድፍኡ`ዮም ዝበለ ቀ/ሚ ሞዲ፥ እዚ ናይ ልምዓት ዘመን`ዩ” ኢሉ። እቲ መራሒ ህንዲ ነቲ ወታሃደራዊ መዓስከር ዝበጽሕ ዘሎ፥ ክልተ ሰሙን ድሕሪ`ቲ ኣብቲ ዶብ ምስ ወታሃደራት ቻይና ግጭት ተፈጢሩ 20 ወታሃድራት ምቕታሎም`ዩ።


ቻይና ግን ኣብ ዘተ-ሰላም ተጸሚድና ኣለና ዝብል ምላሽ ምሃባ`ያ ቀጺላ ዘላ። ኣብ መንጎ`ዘን ኑክሌር ዝዓጠቓ ሃገራት እስያ ኣብ ዘዋስነን ዞባ ሂማላያ ንዓመታት ክሰሓሓባ ምጽንሓን ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG