ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀዳሞት 100 መዓልታት ፕረዚደንት ባይደን ካብ ኣፍሪቃ ዓብይ ግብረ መልሲ ምርካቡ ተገሊጹ


መደረ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ኣፍሪቃ ተቀባልነት ከምዝረኸበ ተገሊጹ።

ፕረዚደንት ባይደን ንኣሜሪካ ናብ ኣባልነት ውድብ ጥዕና ዓለም ምምላሶም፣ ብሕልፊ ካብ ክኢላታት ጥዕና ኣፍሪቃ፣ ኣብ ምፍጣር ምዕሩይ ዓለምለኻዊ ስርዓት ሓጋዚ እዩ ከምዝበሉ ተሓቢሩ'ሎ።

ባይደን ኣብ መደረኦም "ናብ ድኻ ሃገራት" ንዝላኣኽ ክታበት ሕማም ኮቪድ 19 ንምሕጋዝ ኣሜሪካ 2 ቢልዮን ዶላር ከምትልግስ ኣፍሊጦም።

ኣብ ኬፕታውን ኮይና ንኩነተ ኣፍሪቃ ትትንትን አሳንዳ ንጎሻግ "ኣሜሪካ ኣብ ዓሌታዊ ፍትሒ ዘይራኣየላ ሃገር እያ" ምባሎም ተቀቢላቶ ኣላ።

ካልእ ወሃቢ ርእይቶ ብሩክ ስፔክተር ብወገኑ "ባይደን ዓብዪ ክባሃል ዝኽእል ለውጢ ፖሊሲ ናብ ኣፍሪቃ ኣይጠቀሱን፣ እንተኾነ ከም’ቲ ቅድሚኦም ፕረዚደንት ዝነበሩ ዶናልድ ትራምፕ፣ ተባራዒ ክባሃል ዝኽእል ለውጢ ዘይምትእትታዎም፣ ክድገፍ ዘለዎ ለውጢ’ዩ" ኢሉ ገሊጹ።

XS
SM
MD
LG