ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀዳማይ ዋዕላ ኤሪ-ሳት፡ “ተራ ናጻ ፕረስ ኣብ ህንጸት ደሞክራሲ”


“ግደ ናጻ ፕረስን ተራ ሳታላትይት ቴለቪዥንን ኣብ ድፍኢት ደሞክራሲ ኣብ ኤርትራ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ህዝባዊት መደበር ቴለቪዥን ኤሪ-ሳት ዘዳለወቶ ናይ ሓደ መዓልቲ ሲምፖዝዩም፡ ብቐዳም 11 ሰነ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ተጋቢኡ ውዒሉ።

ኣብቲ ካብ ፍርቂ መዓልቲ ክሳብ ምሸት ሰዓት 8:00 ዝቐጸለ፡ ኣብ ኣዳራሽ ዩኒቨርስቲ ካቶሊክ ዝተጋብአ ሲምፖዝዩም፡ ኣብ ተኣሳሰርቲ ዛዕባታት ዘተኰሩ በብይኖም መደባት ቀሪቦም ውዒሎም። ናይ መኽፈቲ ቃል’ቲ ሲምፖዝዩም ዘስምዐ፡ ፈጻሚ ስራሕ (ቻርጀ ዲ፡ ኣፍየር) ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ሚ/ር ስቲቨን ዎከር’ዩ። ኣብ በበይኑ ዲፕሎማሲያዊ ስራሓትን ቦታታን ዝሰርሐ ዲፕሎማት ዎልከር፡ ኣብቲ ብማንዛ ዝገበሮ መደረን ናይ ሕቶን መልሲ ርክብ፡ ፈለማ፡ ንግደ ናጻ ፕረስ ኣብ ምስሳን ደሞክራሲ ዘለዎ ተራን’ዩ ዘርዚሩ። ሚ/ር ዎከር ቅድሚ ዘረባኡ ምጅማሩ፡ ነቲ ንሓያሎ ተዓዘብቲ ከዘራርብ ዝጸንሐ ጉዳይ ብተዘዋዋሪ ብምብራህ’ዩ መደረኡ ከፊቱ። ከም ናይ ኣመሪካ ዲፕሎማት መጠን፡ ኣብ ከምኡ ዝመስል ርክባት ክሳተፍን ኣብ ናይቲ ዓዲ ከይዲ ድማ ርእይቶ ክህብን ይተባብዕ ጥራይ ዘይኰነስ ኣካል ስራሑ’ውን ምዃኑ ኣብሪሁ። ተሳትፎኡ ኣብቲ ሲምፖዝዩም ንዝዀነ ጸግዒ ምሓዝ ከም ዘይምልከት ድማ ብኸምዚ የብርህ፤ “ገለ ሰባት፡ ኣብዚ ምስታፈይ ንናይ ኤርትራ ተቓወምቲ ምድጋፍ ገይሮም ክርእዩዎ ይኽእሉ ይኾኑ። ምናልባት’ውን ኣመሪካ፡ ንምቕያር ስርዓት ኣብ ኤርትራ ትድግፍ ኣላ ዝብሉ’ውን ኣይሰኣኑን። ክልተኣቶም ግን ቅኑዓት ኣይኮኑን። ኤሪ-ሳት ሓንቲ ካብ ናይ ኤርትራ መራኸቢ ብዙሃን’ያ። ከም ሜድያ መጠን ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ሓደ መርገጺ ክህሉዋ ንቡር’ዩ። ኣነ ኣብዚ ምስታፈይ ከኣ ኣነ ወይ መንግስተይ ንኤሪ-ሳት እትወስዶ ስጕምቲ ደጊፍና ማለት ኣይኰነን። ጉዳይ ኤርትራ ንኤርትራውያን’ዩ ዝግደፍ።”

ኣመሪካ ኣብ ብዙሕነትን ዝርጋሕ ቅኑዕ ሓበሬታን ከም እትኣምን ዝጠቐሰ ሚ/ር ዎከር፡ ንገጽ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ዘንበቡ ተኸታተልቲ ዝሓቱዎ ተደጋጋሚ ሕቶታት’ውን ኣብ ዘረባኡ ምላሽ ሂቡሉ ነይሩ። ከምቲ ብዙሓት ዝነቕፉዎ ደጋፊ ሓደ መትከል ወይ ወገን ኰይኑ ዘይኰነስ፡ ኣካል’ቲ ምብህሃል ምዃኑ ብምእማን፡ ልሙድ ስራሕ ምዃኑ ሓቢሩ። ኣብ ወግዓዊ ናይ ፈይስቡክ ገጽ እቲ ኤምባሲ ብተደጋጋሚ ግዜ ምስ ሰበ-ስልጣን ኤርትራ ዝብሉዎ ስለ ዝጋጮን ብግልጺ ዝነቅፍን፡ ከምኡ ዝመስል ናይ ምብህሃል መንፈስ ንቡር እምበር ከም ፍሉይ ተርእዮ ክውሰድ ከም ዘይብሉ ሚ/ር ዎከር ኣብ መድረኡ ጠቒሱ። ምስ መራኸቢታት ዜና መንግስቲ’ውን ተመሳሳሊ ናይ ስራሕ ርክብን ሸፈነን ከም ዝጠልብ ዘመልከተ እቲ ፈጻሚ ስራሕ፡ እንተዀነ፡ ብወገን መንግስታዊ መዲያ ተደጋጋሚ ከም ዝተነጽገ ይጠቅስ።

እቲ ፈጻሚ ቆንስል ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዘለዉ 16 ጋዜጠኛታት ኤርትራ ክፍትሑ ደጊሙ ጻውዒቱ ኣቕሪቡ።

ቀዳማይ ዋዕላ ኤሪ-ሳት፡ “ተራ ናጻ ፕረስ ኣብ ህንጸት ደሞክራሲ”
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:51 0:00

ድሕሪ ምዝዛም መደረ፡ እቲ ፈጻሚ ቆንስል ካብ ኣእንገድቲን ተሳተፍቲን ዝመጸሉ ሕቶታት መሊሱ። ገለ ካብቲ ዝቐረበሉ ሕቶ፡ ኣብ ኣስመራ ኰይኑ ክንድኡ ዓው ኢሉ ክዛረብን ክነቅፍን ኣብ መርገጺ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ዝተወለጠ ነገር እንተሎ ተሓቲቱ: ሚ/ር ዎከር ኣብ መልሱ፡ እቲ ኣብ ፈይስቡክ ገጽ ዝብሎን ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝተዛረቦን ኣካልን መቐጸልታን ናይቲ መንግስቱ ብተደጋጋሚ ዘቕርቦ ምሕጽንታን መርገጺን እምበር ዝተለወጠ ኣተሓሕዛ ከም ዘየሎ ኣበሪሁ። ወሲኹ ግን እቲ ፈጻሚ ቆንስል፡ ቅሉዕን ስዉርን ዲፕሎማሲ ከም ምህላዉ መጠን፡ ቅድሚ ሕጂ ዝበዝሕ ስራሓት ብውሽጢ ደኣ ክኸይድ ይጽናሕ እምበር፡ ሕጂ ግን ዓው ኢሎም ከዛረቡሉ ከም ዝወሰኑ ኣፍሊጡ።

ንተራ ኣመሪካ ኣብቲ ኣብ ኤርትራ ክህሉ ትጽቢት ዝግበሮ ፖለቲካዊ ለውጢ ኣመልኪቱ ኣብ ዝቐረበሉ ተደጋጋሚ ሕቶ፡ ሚ/ር ዎከር፡ ኣመሪካ ንልኡላውነት ኤርትራ ስለ እትኣምን፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ክትኣቱ መሰል ከም ዘይብላን እቲ ጉዳይ ድማ ንኤርትራውያን ጥራይ ዝግደፍ ምዃኑን ኣስሚሩ።

ንምፍታሕ ናይ ፖለቲካው እሱራት፡ እንኮላይ ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ኣመሪካን ካልኦትን ንዋጋ-ዕዳጋ ዘይኣትዉ መሰረታውያን መሰላት ግን ምስ መንግስቲ ኤርትራ ብቐጻሊ ከም ዝዛረቡን ኣብቲ ጉዳይ ዘለዎም መርገጺ ከም ዘመልክቱን ጠቒሱ።

ድሕሪ ናይ ፈጻሚ ቆንስል መደረን ሕቶን መልሲ ካልኣይቲ ዕድምቲን ዝነበረት ጋዜጠኛ ይርጋኣለም ፍስሃ’ያ። ካብ ጀርመን ዝተጓዕዘት ይርጋኣለም ነቲ ውልቃዊ ተመኵሮ ማእሰርቲ ምስ ዝፈጠሮ ዕፈና እናኣተኣሳሰረት ቃላ ኣስሚዓ።

ኣብቲ ዝተረረ ወታሃደራዊ ቤት-ማእሰርቲ ማይ-ስርዋ ንሽዱሽተ ዓመት ብዘይ ሕጋዊ መስርሕ ዝተኣስረት ይርጋኣለም፡ ኣብ ማእሰርቲ ዘሕለፍቶ ግፍዒን ድሕሪ ምውጻኣ ኣንጻር ስቕታ እትገብሮ ዘላ ስራሓትን ዘርዚራ።

ድሕሪ መደረ ይርጋኣለም ፍስሃ ኣከታቲሎም ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባ መደረ ዘስምዑ ኣመሪካዊ ጋዜጠኛን መምህር ስነ-ጋዜጠኝነትን ዳን ኮነል ከምኡ’ውን ካብ ጀርመን ዝመጸ ኣዳላዊ ናይ ዩትዩብ መስመር "መስትያት ቤትና" ዘካርያስ ክብረኣብን’ዮም።

እቲ በበይኑ ትሕዝቶታት ዝሓዘ ናይ ሓደ መዓልቲ መደብ፡ ኣብ መወዳእታኡ ሽልማት ብስም ኣብ ቀረባ ግዜ ዝሞተ ጋዜጠኛ ሚልኪያስ ምሕረትኣብ ዮሃንስ ዝተዳለወ “ተባዕ ጸሓፊ” ዝተሰየመ ምዕዳል ሽልማት’ዩ ተዛዚሙ። ዕዉታት ናይቲ ሽልማት ድማ ጸሓፊትን ጋዜጠኛ ይርኣለም ፍስሃን መስራቲን ኣካይዲ ስራሕን ኣሕታሚ እሙኩሉ ቴድሮስ ኣብርሃም ካብ ሽወደንን ኰይኖም።

ንምሸቱ እቲ ስምፖስዩም ንድምጻውያን ዮሃንስ ትካቦ፡ ቨሮኒካ ሰሎሞን ዓንዲት ዑቕባይን ዝሓዘ ናይ ምዝንጋዕ መደብ’ዩ ተዛዚሙ።

XS
SM
MD
LG