ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ሱዳን ዓብደላ ሃምዶክ ንናይ ክልተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ሎሚ ሓሙስ ደቡብ ሱዳን ኣትዮም


ቀዳማይ ሚንስትር ሱዳን ዓብደላ ሃምዶክ ንናይ ክልተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ሎሚ ሓሙስ ደቡብ ሱዳን ኣትዮም።

ምብጻሕ ቀዳማይ ሚንስትር ሃምዶክ ኣብ መንጎ ተቓወምቲን መንግስትን ንዝካየድ ልዝብ ዘተ ሓድሽ መደብ ንምንጻፍ ምዃኑ ተገሊጹ’ሎ።

ኣቐዲሞም ኣብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዲፕሎማት ክሰርሑ ዝጸንሑ ቀዳማይ ሚንስትር ሱዳን ዓብደላ ሃምዶክ ኣብ መንጎ ወታሃደራዊ መሪሕነትን ሲቪል ፓርቲታት ሱዳን ብዝተበጽሓ ስምምዕ ቕድሚ ሰለስተ ሰሙን ናብ መዝነት ዝመጹ ምኳኖም ይዝከር።

ነታ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ ቤት ምክሪ ሉኡላዊነት፡ ሱዳን ካብቲ ንዓመታት ተዘፊቓትሉ ዝጸንሓት ግጭት ምስ ተቓወምቲ ለውጢ ንምትእታትው ዓሊሙ ንከም ቀ/ሚ ሃምዶክ ዝአመሰሉ ሰባት ናብ መሪሕነት ምምጽኡ ይገልጽ።

ተወከልቲ ቤት ምኽሪ ሉአላዊነት ሱዳን ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዋና ከተማ ደቡብ ሱዳን ጁባ ምስ ተቓወምቲ ብምርኻብ ንልዝብ ሰላም ዘድልይ መደብ ብምሕንጻጽ ስምምዕ ተፈራሪሞም ኣለው።

ቀ/ሚ ሃምዶክ ብወገኖም እዚ ናይ ደቡብ ሱዳን ዑደት ኣብ ጉዳይ ንግዲ፡ ናይ ዶብ ግጭታትን ምንቅስቃስ ሰባትን ካብን ናብን ክልቲኣን ሃገራት ኣብ ዝብሉ ጉዳያት ምስ ሰበ ስልጣን ደቡብ ሱዳን ንምዝታይ ከምዘክኣሎም ንጋዜጠኛታት ሓቢሮም።

XS
SM
MD
LG