ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀዳማይ ሚንስተር ኢጣልያ ናብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ይበጽሑ


ቀዳማይ ሚንስተር ኢጣልያ ጁሴፐ ኮንተ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ክልተ መዓልታት ወግዓዊ ዑደት ንምኽያድ ሎሚ አዲስ አበባ ኣትዮም።

እቲ ርክብ ነቲ ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ዝጸንሓ ታሪኻዊ ዝምድና ዘሓይል’ዩ ክብሉ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ኣቶ ፍጹም አረጋ ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ሓቢሮም።

ቀ/ሚ ጆሴፍ ኮንተ ዑደቶም ብምቕጻል ጽባሕ ናይ ሓደ መዓልቲ ምብጻሕ ንምኽያድ ናብ ኣስመራ ከምዝኸዱ ሚንስተር ዜና ኤርትራ አቶ የማነ ገብረመስቀል ሓቢሮም።

ኣቶ የማነ ብተወሳኺ ቀ/ሚ ኮንተ ምስ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብዛዕባ ክልቲኣዊ ምትሕግጋዝ፡ ከምኡ`ውን ብዛዕባ ንኽልቲኦም ዘገድስ ዞባውን ኣህጉራውን ጉዳያት ክመያየጡ`ዮም ኢሎም።

እቲ ኢጣልያዊ መራሒ መንግስቲ ሎሚ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣዲስ ኣበባ ክኣቱ ኸሎ፡ መዘንኡ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ተቐቢሎሞ። ቀ/ሚ ጁሰፐ ኮንተ ኣብ`ቲ እዋን -እቲ ቀታሊ ውጥረት ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣኽቲሙ ውዕል ሰላም ካብ ዝፍረም ንድሓር ብምዕራባዊ መራሒ ዝግበር ቀዳማይ ምብጻሕ`ዩ ክብል ተዛሪቡ- ከም ምንጪ ዜና ኣሶሸይትድ ፕረስ።

ርእይቶኹም

ርእይቶ ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG