ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀዳማይ ሚኒስትር ሶማል ንሓላፊ ጸጥታ`ታ ሃገር ኣደስኪልዎ- እንተኾነ ካብ ፕረዚደንት ተቓውሞ ገጢምዎ


ቀዳማይ ሚኒስትር መሓመድ ሑሰን ሮብለ
ቀዳማይ ሚኒስትር መሓመድ ሑሰን ሮብለ

ቀዳማይ ሚኒስትር ሶማል ንሓላፊ ጸጥታ`ታ ሃገር ኣደስኪልዎ- እንተኾነ ካብ ፕረዚደንት ተቓውሞ ገጢምዎ።

ቀዳማይ ሚኒስትር መሓመድ ሑሰን ሮብለ፡ ንሓላፊ ጸጥታ ፋሓድ ያሲን፡ ብዛዕባ ቅትለት ኣባላት ጸጥታ ጸብጻብ ክተቕርብ ኣይክኣልካን ብዝብል ካብ ሓላፍነቱ ክወርድ እንተኣዘዘ`ኳ፡ ከይደንጎየ ድማ ፕረዚደንት መሓመድ ኣብዱላሂ ፈርማጆ፡ እቲ ስጉምቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ሕገ-መንግስታዊ ኣይኮነን ዝብል መግለጺ ኣውጺኡ። ያሲን ሓላፊ ጸጥታ ኮይኑ ክቕጽል ከምዘለዎ`ውን ኣፍሊጡ::

ድሕሪ`ዚ ሓላፊ ፖሊስ ሶማል ብወገኑ ህጹጽ ኣኼባ ጸዊዑ`ሎ። ኣብ ትካል ኣህጉራዊ ቅልውላው ተንታኒ ሶማል ማሕሙድ ዖማር እዚ ሕጂ ኣብ መንጎ ፕረዚደንትን ቀዳማይ ሚኒስትርን ብቓልዕ ዝወጸ ፍልልይ ኣቐዲሙ ብውሽጢ ውሽጢ ክኸይድ ዝጸንሐ`ዩ ይብል ።

XS
SM
MD
LG