ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀዳመይቲ እመቤት ጂል ባይደን ኣብ ኬንያ ይበጽሓ


ቀዳማዊት እመቤት ኣመሪካ ጂል ባይደን ሎሚ ዓርቢ ናብ ኬንያ ተጓዒዘን። ኣብ ናይ ናይሮቢ ፃኒሕተን ብዛዕባ ምምዕባል ዓቕሚ ደቂ ኣንስትዮ፣ ጉዳያት ህፃናትን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከም ብሓድሽ ብዝኸፍአ ይጋደድ ዘሎ ቅልውላውን ጥምየትን ኣቓልቦ ክወሃቦ ዘለወን ድልየት ገሊጸን ኣለዋ ።

ትማሊ ሓሙስ እተን ቀዳማዊት እመቤት ምስ ቀዳማዊት እመቤት ናሚብያ ሞኒካ ጌይንጎስን ፕረዚደንት ሄግ ጌይንጎስን ብምኳን ኣብ ዝተዳለወ መንግስታዊ ስነስርዓት ምሳሕ ይዕምብብ ንዘሎ ዲሞክራሲ ንኢደን።

ጂል ባይደን ንናምቢያዊያን ኣብ ዘስምዖኦ መደረ ኣመሪካን ናሚቢያን ተመሳሳሊ ፈተናታት ገጢሙወን ኣሎ ኢለን።

"ካብ ብድሆታት ለውጢ ኩነታት ኣየር ክሳብ ዘይምዕሩይ ቁጠባ፣ ምድላድል ዲሞክራስን ተመሳሳሊ ፈተናታት ኣለና፤ነዚ እውን እዩ ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዋዕላ ኣመሪካን ኣፍሪቃን ዝተኻየደ፤ ኣገዳሲ ስለዝነበረ እዩ። ኣብዛ ወናኒት ድልዱል ዲሞክራሲ ዝኾነት ሃገር ምሳኹም ምርካበይ ኩርዓት ይስምዓኒ" ኢለን።

ኣብ ዓለም ኣብ ዘሎ ከቢድ ፀገማት ንምፍታሕ ድምፂ ኣፍሪቃዊያን ወሳኒ ምዃኑ ወሲኸን ገሊፀን።

ጌይንጎስ ናይ ጂል ባይደን ምብፃሕ ‘’ሓያል’’ምልክት ምሕዝነት እዩ ኢለን።

ቀዳማዊት እመቤት ጌይንጎስ ምስ ብዓል ቤተን ኣብ ኣኼባ መራሕቲ ኣመሪካን ኣፍሪቃን ክሳተፋ መፂአን ምስረኸብአን ንናሚቢያ ንምብፃሕ ምውሳነን ጂል ባይደን ሓቢረን።

XS
SM
MD
LG