ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀዳመይቲ እመቤት መላንያ ትራምፕ ኣብ ኣርባዕተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዑደት የኻይዳ


ቀዳመይቲ እመቤት ኣሜሪካ መላንያ ትራምፕ ኣብ ኣርባዕተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዑደት ንምኽያድ ትማሊ ጋና ምእታወን ዝፍለጥ ኾይኑ ኣብቲ ናይ ሓደ ሰሙን ናይ ኣፍሪቃ ዑደተን ንማላዊ፡ኬንያን ግብጺን ከምዝበጽሓ ተፈሊጡ’ሎ።

ቀዳመይቲ እመቤት መላንያ ትራምፕ ኣብቲ ሎሚ ኣብ ጋና ዘካየድኦ ካልኣይ መዓልቲ ዑደተን፡ ካብቶም ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኣስታት 40 ዝኾኑ “ንመሸጣ ጊልያነት” ዘገልግሉ ዝነበሩ ህንጻታት ናብ ሓደ በጺሓን።

ንሰን ነቲ ቦታ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን ዝሰምዕኦ ታሪክ ፈጺሙ ክርሳዕ ዝኸአል ኣይኮነን ክብላ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብኦ መግለጺ ሓቢረን።

ቀጺለን ንዋና ከተማ ማላዊ ሊሎንግወ ከምዘምርሓ ዝተገለጸ እንተኾነ ዝበዝሑ ካብ ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ነበርቲ’ታ ከተማ ግን ብዛዕባ ምብጻሕ ቀዳመይቲ እመቤት መላንያ ትራምፕ ኣፍልጦ ከምዘይብሎም ይሕብሩ።

ኢዩንሲ ካምበራ ነባሪት ሊሎንግወ እያ። ብዛዕባ ዑደት ቀዳመይቲ እመቤት መላንያ ትራሞፕ ናብታ ከተማ ዝፈልጣ እንተኾይነን ዝብል ብጋዜጠኛ ዝቐረበለን ሕቶ “ ኣይፍለጥን። ሐደ ዝፈልጦ ነገር እንተሎ በዓልቲ ቤት ፕረዚደንት ኣሜሪካ ምዃነን እዩ” ኢለን።

ብኣንጻሩ ድማ እዚ ዘዋሪ ዓረብያ ድርባ ባንዳ ንምብጻሕ ቀዳመይቲ እመቤት ብተስፋ ከምዝጽበዮ ይገልጽ።

“ ምንም ዓይነት ጉዳይ ሒዛ ትምጻእ፡ ምስ መራሕቲ ኮፍ ክትብልን ክትዘራረብን እንተኪኢላን ኣብ ምንታይ ጉዳያት ክትሕግዝ ትክእል እንተርእያ ብፍላይ ኣብ ጉዳይ ህጻናት ደቂ ኣንስትዮ ጽቡቕ ኔሩ” ይብል።

ቀዳመይቲ እመቤት መላንያ ትራምፕ ኣብ ኣፍሪቃ ዑደት ዘካይዳ ዘላ ከም አካል እቲ ኣብ ደሕንነት ህጻናት ዘተኹር “ ቢ ቤስት” ዝብል ወፊሪ እዩ።

ዳይሬክተር ማእከል ስትራቴጂክ ኤንድ ኢንተርናሽናል እስታዲስ ጃድ ድቨርሞንት ብወገነን “ ኣብቲ ቀዳመይቲ እመቤት ዝሰርሓሉ ዘለዋ ኣብ ጥዕና ኣዴታትን ቆልዑን ኣገልግሎት ትምህርቲ ዘተኹር ጉዳይ ኣሜሪካ ኣብቲ ሰብኣዊ ጉዳይ ዘለዋ ኣረኣእያ ከተርእይ ዕድል ዝህብ’ዩ። ብተወሳኺ ዝተለምደ ተርእዮ’ዩ ምክንያቱ ኣቐዲመን ዝነበራ ቀዳሞት እመቤታት ኣሜሪካ’ውን ከምዚ ዓይነት ዑደት የኻይዳ ምንባረን ይዝከር’ዩ” ይብሉ።

ብተወሳኺ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣቐዲሞም ኣቢሎም ንሃገራት ኣፍሪቃ ዘቆናጽብ ዝሃብዎ ርእይቶ ብተደጋጋሚ ክንቐፉ ምጽንሑ ይፍለጥ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ከም ማላዊ ዝኣመሰላ ሃገራት ኣብ ናይ ኣሜሪካ ናይ ሓገዝ ፕሮግራማት ብብዝሒ ዝውከላ ክኾና ከለዋ ምምሕዳር ፕረዚደንት ትራምፕ ድማ ንናይ ወጻኢ ሃገራት ዝወሃብ ሓገዝ ክጎድል ብተደጋጋሚ እንተሓተቱ ቤት ምኽሪ’ታ ሃገር ግን ክነጽጎ ምጽንሑ ይፍለጥ።

Recommended

XS
SM
MD
LG