ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀዳመይቲ ሚንስትር ብሪጣኒያ ቴረሳ ሜይ ካብ መዝነተን ከምዝለቃ ኣፍሊጠን


ናይ ብሪጣኒያ ቀዳመይቲ ሚንስትር ተሪሳ ሜይ ብሪጣኒያ ካብ ሕብረት ኣውሮጳ ክትወፅእ /Brexit/ ዘኽእል ስምምዕ ኣባላት ፓርላማ ክድግፉወን ንምእማን ሰለስተ ግዜ ፈቲነን ድሕሪ ምፍሻሉ ካብ መዝነተን ከምዝለቃ ሎሚ ዓርቢ ገሊፀን።

ብኽያት እናሓነቐን ኣብ ዘስምዕኦ መደረ ንረብሓ ናይዛ ሃገር ሓድሽ ቀዳማይ ሚንስትር ከምዘድልያ ንፁር ኮይኑለይ ኣሎ ኢለን።

"ኣብ ህይወተይ ክብሪ ዝስምዓኒ ካልኣይቲ ጓል ኣንስተይቲ ቀዳመይቲ ሚንስትር ኮይነ ዘገልገልኩሉ መዝነተይ ኣብ ሓፂር ግዜ ከረክብ እየ።ናይ መወዳእታ ጓል ኣንስተይቲ ቀዳመይቲ ሚንስትር እውን ኣይከውንን እየ።ነዛ ዝፈትዋ ሃገረይ ናይ ምግልጋል ዕድል ምርካበይ ዝለዓለ ክብሪ ይስምዓኒ" ኢለን።

ቀዳመይቲ ሚንስትር ተሪሳ ሜይ ካብ 7 ሰነ 2019 ጀሚሩ ካብ መሪሕነት ዓቃባውን ሕብረትን ፓርቲ ከምዝወርዳ እውን ገሊፀን።

ሓድሽ መራሒ ፓርቲ ብኡ ኣቢሉ ድማ ቀዳመይ ሚንስትር ናይ ዝኸውን ሰብ ናይ ምምራፅ መስርሕ ዝቕፅል ሰሙን ክጅምር እዩ።

XS
SM
MD
LG