ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀዳመይቲ ሚንስተር ስኮትላንድ ብፍቓደን መዝነተን ይለቃ


ቀዳመይቲ ሚንስትር ስኮትላንድ ኰይነን ንሸሞንተ ዓመታት ዘገልገላ ኒኮላ ስተርጀን ካብ መዝነት ይወርዳ ከም ዘለዋ ሎሚ ረቡዕ ኣፍሊጠን። እተን ቀዳመይቲ ሚንስትር ንረፈረንዶም ምንጻል ስኮትላንድ ካብ እንግሊዝን መሰል ተመሳሰልቲ ጾታን ዝተጣበቓ’የን።

ስተርጀን ክሳብ ተካኢ ዝርከብ ኣብ መዝነትን ክጸንሓ ምዃነን ብምሕባር ፡ “ነዚ መዝነት’ዚ ክትሕዝ ኵሉትናኻ ክትውፈ ኣለካ፡ ሓደ ሰብ ድማ ካብዚ ንላዕሊ ክግበሮ ዝከኣል ኣይኰነን፡” ኢለን።

ስኮትላንድ ኣካል እንግሊዝ ኰይና፡ ከም ዌልስን ምብራቕ ኣየርላንድን ግን ርእሰ-ምምሕዳራዊ ናጽነት ኣለዋ።

ስኮትላንድ ካብ እንግሊዝ ንምፍላይ ኣብ 2014 ዝተኻየደ ሃገራዊ ረፈረንዶም፡ ህዝቢ ንኽጸንሕ ምምራጹ ይዝከር።

XS
SM
MD
LG