ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ብሪጣንያ ሊስ ትራስ ድሕሪ 44 መዓልታት ካብ መዝነታ ለቒቓ


ካብ ዓቃባዊ ሰልፊ ብሪጣንያ ዝዀነት ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሊዝ ትራስ ካብ መዝነታ ብፍቓዳ ምውራዳ ሎሚ ኣፍሊጣ። ድሕሪ ሃንደበታዊ ምውራድ ቦሪስ ጆንሶን ንመዝነት ቀዳማይ ሚኒስተር ዝተረከበት ሊዝ ትራስ ኣብ ቦታ ቀዳማይ ሚኒስተር ን44 መዓልታት ጥራይ’ያ ጸኒሓ።

እታ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኣብ ትዊተር ከም ዘመልከተቶ፡ በቲ እትመርሖ ሰልፊ ተወጢኑ ዝነበረ ቍጠባዊ ምርግጋእን ጸጥታዊ ውሕስነትን ንምውሓስ ካብ መዝነታ ብፍቓዳ ምውራዳን ንንጉስ ቻርለስ ሎሚ ኣራፊዳ ከም ዘካፈለትን ሓቢራ።

ዝመጽእ ሰሙን ምርጫ ተኻዪዱ ንቦታኣ ዝትክእ ቀዳማይ ሚኒስተር ክሳብ ዝርቋሕ ኣብቲ መዝነት ክትጸንሕ ምዃና ሊዝ ትራስ ሓቢራ ኣላ።

XS
SM
MD
LG